![]() |
![]() |
![]() |
ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66 67 68 69 70 71 72 73 74 75 76 77 78 79 80 81 82 83 84 85 86 87 88 89 90 91 92 93 94 95 96 97 98 99 100 101 102 103 104 105 106 107 108 109 110 111 112 113 114 115 116 117 118 119 120 121 122 123 124 125 126 127 128 129 130 131 132 133 134 135 136 137 138 139 140 141 142 143 144 145 146 147 148 149 150
1፣2- ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣
ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣
ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣
ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣
ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣
ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ።
3 - ንሱ ኸምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ፣
ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣
ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን።
ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።
4 - እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ
ብቝቡቝ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን።
5 ፣ 6 - ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣
መገዲ ረሲኣን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣
ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርድ፣
ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም።