![]() |
![]() |
![]() |
ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66 67 68 69 70 71 72 73 74 75 76 77 78 79 80 81 82 83 84 85 86 87 88 89 90 91 92 93 94 95 96 97 98 99 100 101 102 103 104 105 106 107 108 109 110 111 112 113 114 115 116 117 118 119 120 121 122 123 124 125 126 127 128 129 130 131 132 133 134 135 136 137 138 139 140 141 142 143 144 145 146 147 148 149 150
1- ዎ እግዚኣብሄር፣ ስለምንታይ ደኣ እትርሕቕ፣
ብዘመናት ደበባስ እትኽወል፣
2፣3- ረሲእ ብትምኒት ልቡ ይጀሀር፣
ንገፋዒ ይምርቖ፣ ንእግዚኣብሄር ይንዕቆ አሎ እሞ፣
ጥቑዕሲ ብትዕቢት ረሲእ ይስቀ አሎ፣
በቲ ዝሐሰብዎ ውዲት ይተሐንኰሉ።
4- ኵሉ ሓሳባት እቲ ረሲእ፣ ኣምላኽ የልቦን እዩ፣
ብትዕቢቱ ኸኣ፣ ኣይምርምርን እዩ፣ ይብል አሎ።
5- መገድታቱ ዅሉ ጊዜ ይፍድፍዳ፣
ፍርድታትካ ንእኡስ ኣዝዩ ልዕል ዝበለ እዩ።
ንዅላቶም ተቓወምቱ ጺቕ ይብለሎም።
6- ብልቡ፣ ከቶ ኣይክናወጽን፣
ካብ ወለዶ ንወለዶ ኽፉእ ኣይመጸንን እዩ፣ ይብል አሎ።
7- ኣፉስ መርገምን ጥልመትን ዓመጻን መሊኡ እዩ፣
ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እከይን ጥፍኣትን አሎ።
8- ኣብ ናይ ዓድታት ሸጓሽጕ የድቢ፣
ኣብ ሕቡእ ስፍራ ንንጹህ ይቐትሎ፣
ኣዒንቱ ንመስኪን ይስልያኦ።
9- ከም ኣንበሳ ኣብ ዱሩ ኣብ መሕቢኡኡ ይጻናቶ፣
ንመስኪን ኪዕምጥሮ የድቢ፣
ንመስኪን ብመጻወድያኡ ስሒቡ ይዕምጥሮ።
10- ጕብጥ ኢሉ ይደንን፣
መሳኪን ከኣ ኣብ መንጐ ኣጽፋሩ ይወድቁ።
11- ንሱ ብልቡ፣ ኣምላኽ ረሲዑ ገጹ ኸዊሉ፣
ከቶ ኣይኪርእዮን እዩ፣ ይብል።
12- ዎ እግዚኣብሄር፣ ተንስእ፣
13- ስለምንታይ ረሲእ ንኣምላኽ ዚንዕቆ፣
ብልቡ ኸኣ፣ ኣይክትምርምርን ኢኻ፣ ዚብሎ፣
14- ንስኻ ርኢኻዮ፣ ኣብ ኢድካ ምእንቲ ኽትሕዞስ፣
ንጻዕርን ሓዘንን ተቕልበሉ ኢኻ እሞ፣
መስኪን ንነገሩ ናባኻ ይወፍዮ፣
ረዳእ ዘኽታም ንስኻ ኢኻ።
15- ንቕልጽም ረሲእ ስበሮ፣
ንእኩይ፣ ረሲእነቱ ኽሳዕ ዘይትረኽባ፣ ኣጥፋኣዮ።
ኣህዛብ ካብ ምድሩ ጸኒቶም እዮም።
17፣18- ዎ እግዚኣብሄር፣ መሬታዊ ሰብ ንምግፋዕ ከይቕጽል፣
ንዘኽታምን ንጥቑዕን ክትብይነሎምሲ፣ ነእዛንካ ተድንነን፣
ንሃረርታ ትሑታት ትሰምዖ፣ ንልቦም ተበርትዖ ኢኻ።