![]() |
![]() |
![]() |
ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66 67 68 69 70 71 72 73 74 75 76 77 78 79 80 81 82 83 84 85 86 87 88 89 90 91 92 93 94 95 96 97 98 99 100 101 102 103 104 105 106 107 108 109 110 111 112 113 114 115 116 117 118 119 120 121 122 123 124 125 126 127 128 129 130 131 132 133 134 135 136 137 138 139 140 141 142 143 144 145 146 147 148 149 150
ንሊቀ መዘምራን፣ ናይ ዳዊት መዝሙር።
ከመይ ደኣ ንነፍሰይ፣ ከም ዑፍ ናብ ከረንኪ ህደሚ፣ እትብልዋ፣
2- ንቕኑዓት ልቢ ብጸልማት ምእንቲ ኺውርውሩሎም፣
እንሆ፣ ረሲኣን ቀስቶም ይግትሩ፣
ንፍላጻኦም ኣብ መንትግ የዝግብዎ።
3- መሰረታት እንድሕሪ ፈሪሱ ደኣ፣
እቲ ጻድቕ እንታይ ኪገብር ይከአሎ፣
4- እግዚኣብሄር ኣብ ቅድስቲ መቕደሱ እዩ፣
ዝፋን እግዚኣብሄር ኣብ ሰማያት እዩ፣
ኣዒንቱ ይጥምታ፣
ቈላሕታኡ ንደቂ ሰብ ይዕዘባኦም አለዋ።
5- እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ፣
ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም።
6፣7- እግዚኣብሄርሲ ጻድቕ፣ ንጽድቂ ዜፍቅር እዩ፣
ቅኑዓትውን ገጹ ኺርእይዎ እዮም እሞ፣
ኣብ ልዕሊ ረሲኣን መጽመድ ኬዝንም፣
ዕድሎት ጽዋኦም ከኣ ሓውን ዲንን ጕሁር ንፋስን ኪኸውን እዩ።