![]() |
![]() |
![]() |
ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66 67 68 69 70 71 72 73 74 75 76 77 78 79 80 81 82 83 84 85 86 87 88 89 90 91 92 93 94 95 96 97 98 99 100 101 102 103 104 105 106 107 108 109 110 111 112 113 114 115 116 117 118 119 120 121 122 123 124 125 126 127 128 129 130 131 132 133 134 135 136 137 138 139 140 141 142 143 144 145 146 147 148 149 150
ንሊቀ መዘመራን፣ ብሸሚኒት፣ ናይ ዳዊት መዝሙር።
ካብ ማእከል ደቂ ሰብውን
እሙናት ጠፊኦም እዮም እሞ፣ ኣድሕን።
2- ነፍሲ ወከፎም ምስ ብጻዩ ሓሶት ይዛረብ፣
ብዜቃባጥር ከንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ፣
3፣4- እግዚኣብሄር ንዅላተን መቃበጠርቲ ኸናፍርን
ነታ ዕቡይ ነገር እትዛረብ መልሓስን፣
ነቶም፣ ሳላ መልሓስና ንብርትዕ አሎና፣
ከናፍርና ናትና እየን፣ መን እዩኸ ጐይታና፣
ዚብሉን ኪምንቍሶም እዩ።
5- ስለ ምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፣
ነቲ ዚናፍቕውን ምድሓን ከምጽኣሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
ብመምከኽ መርየት ዝጸረየ፣
ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዔ ብሩር እዩ።
7- ዎ እግዚኣብሄር፣ ክትሕልዎም፣
ካብዚ ወለዶ እዝስ ንዘለኣለም ክትዕቅቦም ኢኻ።
8- ብልሽውነት ኣብ ማእከል ደቂ ሰብ ልዕል እንተ በለ፣
ረሲኣን ኣብ ኵሉ ወገን ይዞሩ።