![]() |
![]() |
![]() |
ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66 67 68 69 70 71 72 73 74 75 76 77 78 79 80 81 82 83 84 85 86 87 88 89 90 91 92 93 94 95 96 97 98 99 100 101 102 103 104 105 106 107 108 109 110 111 112 113 114 115 116 117 118 119 120 121 122 123 124 125 126 127 128 129 130 131 132 133 134 135 136 137 138 139 140 141 142 143 144 145 146 147 148 149 150
ንሊቀ መዘመራን፣ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1- ዎ እግዚኣብሄር፣ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ፈጺምካ እትርስዓኒ፣
ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ገጽካ ትኽውለለይ፣
2- ክሳዕ መኣዝ ብነፍሰይ ክጭነቕ፣
ዕለተ ዕለትሲ ብልበይ ክሐዝን እየ፣
ጸላእየይከ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዚዕብልለኒ፣
3፣4- ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ጠምት እሞ ምለሰለይ።
ኣነ ድቃስ ሞት ከይድቅስ፣
ጸላእየይ፣ ስዒረዮ፣ ከይብል፣
እንተ ተናወጽኩ፣ ተጻረርተይ ከይፍስሁስ፣
ነዒንተይ ኣብርሃየን።
5- ኣነ ግና ብምሕረትካ እውከል አሎኹ፣
ብልበይ ብምድሓንካ ይሕጐስ አሎ።
6- እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩለይ እዩ እሞ፣
ምስጋናኡ ኽዝምር እየ።