![]() |
![]() |
![]() |
ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66 67 68 69 70 71 72 73 74 75 76 77 78 79 80 81 82 83 84 85 86 87 88 89 90 91 92 93 94 95 96 97 98 99 100 101 102 103 104 105 106 107 108 109 110 111 112 113 114 115 116 117 118 119 120 121 122 123 124 125 126 127 128 129 130 131 132 133 134 135 136 137 138 139 140 141 142 143 144 145 146 147 148 149 150
ንሊቀ መዘምራን፣ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1- ዓሻስ ብልቡ፣ ኣምላኽ የልቦን፣ ይብል።
ብልሽዋት እዮም፣ ፍንፉን ግብሪ ገበሩ፣
ሓደ እኳ ሰናይ ዚገብር የልቦን።
2- ንእግዚኣብሄር ዚደሊ ለባም እንተሎ ኺርኢ ኢሉስ፣
እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ጠመተ።
3- ኵላቶም ዘምቢሎም፣ ብዘለዉ ዅላቶም ረኺሶም፣
ገለ ሰናይ ዚገብር የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን።
4- እዞም ንህዝበይ ከም እንጌራ ዚውሕጥዎ፣
ኣብ እግዚኣብሄር ዘይጠርዑ ገበርቲ እከይ ኵላቶምሲ፣
ፍልጠትዶ የብሎምን እዮም፣
5- እግዚኣብሄር ኣብ ወለዶ ጻድቃን እዩ እሞ፣
እንሆ፣ ዓብዪ ፍርሃት ሒዝዎም።
6- ንምኽሪ ጥቑዕ ተቋናጽብዎ አሎኹም፣
ግናኸ እግዚኣብሄር መዕቈቢኡ እዩ።
7- ኣየ፣ ካብ ጽዮን ምድሓን እስራኤል እንተ ዚመጽእ።
እግዚኣብሄር ምርኰ ህዝቡ ኺመልስ ከሎ፣
ሽዑ ያእቆብ ኪሕጐስ፣ እስራኤልውን ባህ ኪብል እዩ።