![]() |
![]() |
![]() |
ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66 67 68 69 70 71 72 73 74 75 76 77 78 79 80 81 82 83 84 85 86 87 88 89 90 91 92 93 94 95 96 97 98 99 100 101 102 103 104 105 106 107 108 109 110 111 112 113 114 115 116 117 118 119 120 121 122 123 124 125 126 127 128 129 130 131 132 133 134 135 136 137 138 139 140 141 142 143 144 145 146 147 148 149 150
ንሊቀ መዘምራን፣ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1- ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፣
ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ።
2- ሓንቲ መዓልቲ ነታ ሓንቲ ትዛንያ፣
ሓንቲ ለይቲ ድማ ነታ ሓንትስ ፍልጠት ተሕልፈላ።
3- ዘረባ የልቦን፣ ምዝርራብ የልቦን፣
ድምጾምውን ኣይስማዕን እዩ።
4- ገመዶም ናብ ኵላ ምድሪ፣
ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ አሎ፣
ንጸሓይ ከኣ ድንኳን ተኸለሎም።
5- ንሳ ኸም መርዓዊ ኻብ ሕልፍኙ ትወጽእ፣
ከም ጅግና ኸኣ ንምጕያይ መገዲ ትሕጐስ አላ።
6- ምውጻኣ ኻብ ወሰን ሰማያት እዩ፣
ምዝዋራ ድማ ክሳዕ ወሰነን እዩ፣
ካብ ረስና ዚኽወል ከኣ የልቦን።
7- ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ፣ ንነፍሲ ይመልሳ።
ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ፣ ንገርሂ የጥብቦ።
8- ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፣ ንልቢ የሐጕሶ፣
ትእዛዛት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፣ ነዒንቲ የብርሄን።
9- ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፣ ንዘለኣለም ይነብር፣
ፍርድታት እግዚኣብሄር ሓቂ እዩ፣ ብዘሎውን ጻድቕ እዩ።
10- ካብ ወርቂ፣ ኤረ ኻብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ዚሕረ እዩ፣
ካብ መዓር፣ ኤረ ኻብ መዓር ወለላ ዚጥዕም እዩ።
11- ባርያኻውን ብእኡ ተማሂሩ፣
ብምሕላዉ ዓቢ ኻሕሳ አሎ።
12- ንጌጋታቱ ዚፈልጥ መን እዩ፣
ካብቲ እተሰወረኒ ኣንጽሃኒ።
13- ንባርያኻ ኻብ ትዕቢት ሐልዎ፣
ኣብ ልዕለይ ከይስልጥንውን ዕገቶ፣
ሽዑ ምሉእ ኪኸውን፣ ካብ ዓብዪ ኣበሳ ኸኣ ክነጽህ እየ።
14- ዎ እግዚኣብሄር፣ ከውሔይን መድሓንየይን፣
ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን።