![]() |
![]() |
![]() |
ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66 67 68 69 70 71 72 73 74 75 76 77 78 79 80 81 82 83 84 85 86 87 88 89 90 91 92 93 94 95 96 97 98 99 100 101 102 103 104 105 106 107 108 109 110 111 112 113 114 115 116 117 118 119 120 121 122 123 124 125 126 127 128 129 130 131 132 133 134 135 136 137 138 139 140 141 142 143 144 145 146 147 148 149 150
1- ስለምንታይ እዮም ኣህዛብ ጫውጫው ዚብሉ፣
ህዝብታትሲ ከንቱ ዚሐስቡ፣
2፣3- ነገስታት ምድሪ ይትንስኡ፣ መሳፍንቲ ኸኣ ሐቢሮም፣
ንመቓውሖም ንስበሮ፣
ንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ፣
ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ።
4- እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ይስሕቆም፣
ጐይታ የላግጸሎም።
5- ሽዑ ብዅራኡ ይዛረቦም፣
ብነድሩ ኸኣ የፈራርሆም፣
6- ኣነ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅዱስ ከረነይ
ንጉሰይ ሸምኩ፣ ይብል።
7- እቲ ምዱብ ምኽሪ እነግር አሎኹ፣
እግዚኣብሄር በለኒ፣ ንስኻ ወደይ ኢኻ፣
ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ።
8- ኣህዛብ ንርስትኻ፣
ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ኽህበካስ፣ ለምነኒ።
9- ብበትሪ ሓጺን ክትቅጥቅጦም፣
ከም ኣቕሓ ስራሕ መሬት ከኣ ክትሰባብሮም ኢኻ።
10- እምበኣርሲ ኣቱም ነገስታት፣ ለብሙ፣
ኣቱም ፈራዶ ምድሪውን፣ ተአረሙ።
11- ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ኣገልግልዎ፣
ብረዓድ ከኣ ተሐጐሱ።
12- ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፣ ከይዅሪ፣
ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስ፣ ንወዱ ስዐምዎ።
ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም።