![]() |
![]() |
![]() |
ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66 67 68 69 70 71 72 73 74 75 76 77 78 79 80 81 82 83 84 85 86 87 88 89 90 91 92 93 94 95 96 97 98 99 100 101 102 103 104 105 106 107 108 109 110 111 112 113 114 115 116 117 118 119 120 121 122 123 124 125 126 127 128 129 130 131 132 133 134 135 136 137 138 139 140 141 142 143 144 145 146 147 148 149 150
ናይ ዳዊት መዝሙር።
1- ኣቱም ውሉድ ብርቱዓት፣ ንእግዚኣብሄር ሀቡ፣
ንእግዚኣብሄር ክብርን ሓይልን ሀብዎ።
2- ንእግዚኣብሄር እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሀብዎ፣
ንእግዚኣብሄር ብጌጽ ቅድስና ስገዱሉ።
3- ድምጺ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ፣
ኣምላኽ ክብሪ የንጐድጕድ አሎ፣
እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ።
4- ድምጺ እግዚኣብሄር ብስልጣን፣
ድምጺ እግዚኣብሄር ብግርማ እዩ።
5- ድምጺ እግዚኣብሄር ንጽሕድታት ይሰብሮ፣
እግዚኣብሄር ንጽሕዲ ሊባኖስ ይሰባብሮ።
6- ንሊባኖስን ንስርዮንን ከም ብተይ፣
ከም ጣዕዋ ጐባይ የዐንድሮም፣
7- ድምጺ እግዚኣብሄር ንሃልሃልታ ሓዊ ይስንጥቖ።
8- ድምጺ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ የንቀጥቅጦ፣
እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ ቃዴስ የንቀጥቅጦ እዩ።
9- ድምጺ እግዚኣብሄር ንእራባት የውልደን፣ ንዱር የርግፎ፣
ኣብ መቕደሱውን ኵሉ፣ ክብሪ፣ ይብል አሎ።
10- እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማይ ኣይሂ ተቐመጠ፣
ኤረ እግዚኣብሄርሲ ንዘለኣለም ነጊሱ ኪቕመጥ እዩ።
11- እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሊ ይህቦ፣
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሰላም ይባርዀ።