![]() |
![]() |
![]() |
ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66 67 68 69 70 71 72 73 74 75 76 77 78 79 80 81 82 83 84 85 86 87 88 89 90 91 92 93 94 95 96 97 98 99 100 101 102 103 104 105 106 107 108 109 110 111 112 113 114 115 116 117 118 119 120 121 122 123 124 125 126 127 128 129 130 131 132 133 134 135 136 137 138 139 140 141 142 143 144 145 146 147 148 149 150
ንሊቀ መዘምራን፣ ንዮዱትን፣ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1- ብመልሓሰይ ከይስሕት፣ ንመገድታተይ ክጥንቀቐለን፣
ረሲእ ኣብ ቅድመይ ከሎ፣ ንኣፈይ ብልጓም ክገትእ እየ፣ በልኩ።
2- ስቕ ብምባለይ ዓባስ ኰንኩ፣
ካብ ጽቡቕ እኳ ስቕ በልኩ፣ ቃንዛይ ከኣ ገደደ።
3- ልበይ ኣብ ውሽጠይ ረሰነ፣
ከስተንትን ከሎኹ፣ ሓዊ ተቓጸለ፣
ብመልሓሰይ ከኣ ተዛረብኩ፣
4- ዎ እግዚኣብሄር፣ ከመይ ዝበልኩ ሓላፊ ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጥ፣
መወዳእታይን ልክዕ መዓልትታተይን ክንደይ ምዃኑ ኣዘክረኒ።
5- እንሆ፣ ንመዓልትታተይ ከም ምናሕ ስድሪ ገበርካየን፣
ዕድመይ ኣብ ቅድሜኻስ ከም ምናምን እዩ፣
ብሓቂ ዅሉ ሰብ ጸኒዑ እንተ ቘመ እኳ፣ ከንቱ ጥራይ እዩ። ሴላ።
6- ብሓዊ ሰብ ከም ጽላሎት ይመላለስ፣
እወ ንኸንቱ እዩ ዚህወኽ፣
ይድልብ፣ ንመን ምዃንውን ኣይፈልጥን።
7- ሕጂኸ፣ እንታይ እጽበ አሎኹ፣
ጐይታየ፣ ተስፋይ ብኣኻ እዩ።
8- ካብ ኵሉ ኣበሳይ ኣናግፈኒ፣
መላገጽ ዓያሱ ኣይትግበረኒ።
9- ንስኻ ኢኻ እዚ ዝገበርካ እሞ፣
ስቕ እብል፣ ኣፈይ ኣይከፍትን።
10- ብመውቃዕቲ ኢድካ እጠፍእ አሎኹ፣
ንመዓትካ ኻባይ ኣርሕቆ።
11- ብበደሉ እናገሰጽካ ንሰብ እንተ ቐጻዕክዮ፣
ንኽብረቱ ኸም ብልዒ ጌርካ ተጥፍኦ፣
ብሓቂ ዅሉ ሰብ ከንቱ እዩ። ሴላ።
12- ኣብ ቅድሚኻ ጋሻ፣ ከም ኵሎም ኣበታተይ ስደተኛ እየ እሞ፣
ዎ ጐይታይ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣
እዝንኻ ናብ ኣውያተይ ምለስ፣ ብንብዓተይ ስቕ ኣይትበል።
13- ካብዚ ኸይከድኩ፣ ህልውናይ ከይጠፍኤ ክቐስንሲ፣ ሕደገኒ።