![]() |
![]() |
![]() |
ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66 67 68 69 70 71 72 73 74 75 76 77 78 79 80 81 82 83 84 85 86 87 88 89 90 91 92 93 94 95 96 97 98 99 100 101 102 103 104 105 106 107 108 109 110 111 112 113 114 115 116 117 118 119 120 121 122 123 124 125 126 127 128 129 130 131 132 133 134 135 136 137 138 139 140 141 142 143 144 145 146 147 148 149 150
ንሊቀ መዘምራን፣ ብንጊኖት፣ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1- ዎ ኣምላኽ ጽድቀይ፣ ከእዊ ኸሎኹ፣ ምለሰለይ፣
ብጸበባ ኣርሒብካለይ ኢኻ፣
ደንግጸለይ እሞ ጸሎተይ ስማዕ።
2- ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ክብረይስ ኰን ክሳዕ መኣዝ እዩ ዚሐስር፣
ክሳዕ መኣዝከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፣ ሓሶትውን ትደልዩ፣ ሴላ።
እግዚኣብሄር፣ ናብኡ እንተ ጠራዕኩ፣ ይሰምዕ እዩ።
4- ኰርዩ እሞ ኣይትአብሱ፣
ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን። ሴላ።
5- መስዋእቲ ጽድቂ ሰውኡ፣
ኣብ እግዚኣብሄር ድማ ተወከሉ።
6- ብዙሓት፣ ንሰናይ መንእዩ ዜርእየና፣ ይብሉ አለዉ።
ዎ እግዚኣብሄር፣ ብርሃን ገጽካ ኣብርሃልና።
ኣብሊጽካ ኣብ ልበይ ሓጐስ ኣንበርካ።
8- ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፣
ብሰላም እግምሰስን እድቅስን አሎኹ።