![]() |
![]() |
![]() |
ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66 67 68 69 70 71 72 73 74 75 76 77 78 79 80 81 82 83 84 85 86 87 88 89 90 91 92 93 94 95 96 97 98 99 100 101 102 103 104 105 106 107 108 109 110 111 112 113 114 115 116 117 118 119 120 121 122 123 124 125 126 127 128 129 130 131 132 133 134 135 136 137 138 139 140 141 142 143 144 145 146 147 148 149 150
1፣2- ኵሉኹም ኣህዛብ፣ እዚ ስምዑ፣
ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ ዅሉኹም፣ ሕሱራትን ክቡራትን፣
ሃብታማትን ድኻታትን፣ ሐቢርኩም ጽን በሉ።
3- ኣፈይ ጥበብ ይዛረብ፣
ሓሳብ ልበይ ከኣ ናይ ምስትውዓል እዩ።
4- እዝነይ ናብ ምስላታት ኤድንን፣
ስዉር ፍልጠተይውን ብበገና እገልጽ አሎኹ።
5- እከይ እቶም ዚረግጹኒ ኪኸበኒ ኸሎ፣
ብመዓልቲ ጸገማ ንምንታይ እየ ዝፈርህ፣
6- እቶም ኣብ ገንዘቦም ዚውከሉ፣
ብብዝሒ ሃብቶም ከኣ ዚምክሑ ዘለዉስ፣
7-9- ንሓዋሩ ኺነብር ጥፍኣትውን ከይርኢ፣
ሓደ እኳ ንሓዉ ዚብጀዎ፣
ጋር ነፍሲ ንኣምላኽ ዚህበሉ የልቦን፣
ጋር ነፍሶም ክቡር፣ ንዘለኣለም ከኣ ተሪፉ እዩ።
10- ጢቢባን ከም ዚሞቱ፣
ዓሻን ደንቈሮን ሐቢሮም ከም ዚጠፍኡ፣
ገንዘቦም ድማ ንኻልኦት ከም ዚሐድጉሎምሲ ኺርኢ ደኣ እዩ።
11- ኣባይቶም ንዘለኣለም፣
ንመሓድሮም ካብ ወለዶ ንወለዶ ኸም ዚነብር፣ ውሽጣዊ ሓሳቦም እዩ።
ንምድሮም በብስሞም ይሰምይዎ አለዉ።
12- ግናኸ ሰብ ነተን ዚጠፍኣ እንስሳ እዩ ዚመስል፣
ከቢሩ እኳ እንተሎ ኣይነብርን እዩ።
13- እዛ መገዶምሲ ዕሽነቶም እያ፣
ድሕሪኦም ዚመጹውን ንባህሎም ይሰምርዎ። ሴላ።
14- ከም ኣባጊዕ ኣብ ሲኦል ይነብሩ፣ ሞት ይጓስዮም።
ንግሆ ቅኑዓት ይገዝእዎም፣
ውቃቢኦም ኣብ ሲኦል ይጠፍእ፣ ማሕደርውን የብሎምን።
15- ኣምላኽ ግና ኪቕበለኒ እዩ እሞ፣
ንሱ ንነፍሰይ ካብ ኢድ ሲኦል ኬናግፋ እዩ። ሴላ።
16- ሰብ እንተ ሀብተመ።
17- ክብሩ ኣስኣሰሩ ኣይወርድን እዩ እሞ፣
ምስ ዚመውት፣ ገለ እኳ ኣይማላእን።
18- ሽሕ እኳ ብህይወቱ ነፍሱ እንተ ኣመስገነ፣
ንርእስኻ ሰናይ እንተ ገበርካላ፣ ሰባትውን እንተ ነአዱኻ፣
19- ንስኻስ ናብቶም ከቶ ብርሃን ዘይርእዩ ዓሌት ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ።
20- ምስትውዓል ዜብሉ ሰብ ብኽብሩ እኳ ነተን ዚጠፍአ እንስሳ እዩ ዚመስል።