![]() |
![]() |
![]() |
ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66 67 68 69 70 71 72 73 74 75 76 77 78 79 80 81 82 83 84 85 86 87 88 89 90 91 92 93 94 95 96 97 98 99 100 101 102 103 104 105 106 107 108 109 110 111 112 113 114 115 116 117 118 119 120 121 122 123 124 125 126 127 128 129 130 131 132 133 134 135 136 137 138 139 140 141 142 143 144 145 146 147 148 149 150
ንሊቀ መዘምራን፣ ብንሂሎት፣ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1- ዎ እግዚኣብሄር፣ ንቓላተይ ጽን በሎ፣
ንሓሳባተይ ኣስተውዕሎ።
2- ናባኻ እጽሊ አሎኹ ኣሞ፣
ዎ ንጉሰይን ኣምላኸይን፣ ንድምጺ ጥርዓነይ ኣድህበሉ።
3- ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣንጊህካ ንድምጸይ ትሰምዖ ኢኻ፣
ኣንጊሄ ልበይ ናባኻ ኣቕኒዔ ኤማዕዱ አሎኹ።
4- ብረሲእነት ባህ እትብል ኣምላኽ ኣይኰንካን እሞ፣
እኩይ ምሳኻ ኣይሐድርን።
5- ትዕቢተኛታት ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኣይቈሙን፣
ንገበርቲ እከይ ዘበሉ ትጸልኦም።
6- ሓሶት ንዚዛረቡ ተጥፍኦም።
እግዚኣብሄር ንደመኛን ንጠባርን ይፍንፍኖም እዩ።
7- ኣነ ግና ብብዝሒ ሳህልኻ ናብ ቤትካ ኽአቱ፣
ብፍርሃትካ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ እየ።
ንመገድኻ ኣብ ቅድመይ መድምዳ።
9- ኣብ ኣፎም ቁም ነገር የልቦን እሞ፣
ውሽጦም ጥፍኣት፣ ጐረርኦም ክፉት መቓብር እዩ፣
ብመልሓሶም የቀባጥሩ።
10- ዎ ኣምላኽ፣ ኰንኖም፣ ኣብ ምኽሮም ይውደቑ።
ካባኻ ዐልዮም እዮም እሞ፣ ብብዝሒ ኣበሳኦም ኣባርሮም።
ንስኻ ኣጽሊልካዮም ኢኻ እሞ፣ ንዘለኣለም እልል ይበሉ፣
ንስምካ ዜፍቅርዎ ድማ ብኣኻ ይፈስሁ።
12- ንጻድቕ ትባርዀ ኢኻ እሞ፣
ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸቦ።