![]() |
![]() |
![]() |
ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66 67 68 69 70 71 72 73 74 75 76 77 78 79 80 81 82 83 84 85 86 87 88 89 90 91 92 93 94 95 96 97 98 99 100 101 102 103 104 105 106 107 108 109 110 111 112 113 114 115 116 117 118 119 120 121 122 123 124 125 126 127 128 129 130 131 132 133 134 135 136 137 138 139 140 141 142 143 144 145 146 147 148 149 150
ንሊቀ መዘምራን፣ ብኣልተስሄት፣ ናይ ዳዊት ሚክታም፣ ሳኦል ኪቐትሎ ኢሉ ንቤቱ ኺሕልዎ ምስ ሰደደ፣ እተዘመረ።
1- ኣምላኸየ፣ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ፣
ካብቶም ዚትንስኡኒ ኣብ እምባ ኣቝመኒ።
2- ካብ ገበርቲ እከይ ኣናግፈኒ፣
ካብ ደመኛታትውን ኣድሕነኒ።
3- እነዉ፣ ንነፍሰይ ይጸናተውዋ አለዉ እሞ፣
ጐይታየ፣ ብኣበሳይን ሓጢኣተይን ኣይኰኑን
ሓያላት ኪቃወሙኒ ሐቢሮም ዘለዉ።
4- ከይበደልኩስ ጐይዮም ይዳለዉ፣
ክትቅበለኒ ንቓሕ እሞ ርኤ።
5- ጐይታይ፣ ኣምላኽ ሰራዊት፣ ኣምላኽ እስራኤል፣
ንቓሕ እሞ ንዅሎም ኣህዛብ መዓት ኣውርደሎም፣
ካብቶም ጠለምቲ ገበርቲ እከይ ንሓደ እኳ ኣይትምሐር። ሴላ።
6- ምሸት እናተመልሱ ኸም ኣኽላባት ይነብሑ፣
ኣብ ከተማውን ይዞሩ።
7- መንከ ዚሰምዕ አሎ፣ እናበሉ፣ እንሆ፣ ኣፎም ይግንፍል፣
ኣብ ከናፍሮም ኣስያፍ አሎ።
8- ግናኸ ጐይታየ፣ ንስኻ ኽትስሕቆም፣
ንዅሎም ኣህዛብ ከተባጭዎም ኢኻ።
9- እምባይ ኣምላኽ እዩ እሞ፣
ኣታ ሓይለይ፣ ኣባኻ ኣዕቍበ እኔኹ።
10- ኣምላኸይ ብሳህሉ ይቕበለኒ፣
ኣምላኽ ነቶም ጸላእተይ ብሓጐስ የርእየኒ።
11- ህዝበይ ከይርስዑስ ኣይትቕተሎም።
ኣታ ጐይታና፣ ዋልታና፣ ብሓይልኻ ኣዀብልሎም እሞ ኣውድቆም።
12- ቃል ከናፍሮም ሓጢኣት ኣፎም እዩ፣
ስለቲ ዚዛረብዎ መርገምን ሓሶትን ብትዕቢቶም ይተሐንኰሉ።
13- ብዅራካ ኣጥፍኣዮም፣
ኣምላኽ ካብ ያእቆብ ጀሚሩ ኽሳዕ ወሰናት ምድሪ ገዛኢ ምዃኑ ኺፈልጡስ፣
ከም ዘይርከቡ ጌርካ ኣጥፍኣዮም። ሴላ።
14- ምሸት እናተመልሱ ኸም ኣኽላባት ይነብሑ፣
ኣብ ከተማውን ይዞሩ።
15- መብልዕ ደልዮም ይዛውኑ፣
ከይጸገቡ ኸኣ ይሐድሩ አለዉ።
16- ኣነ ግና ንሓይልኻ እዝምር፣
ንስኻ እምባ፣ ብመዓልቲ ጸበባይውን መዕቈቢ ዄንካ ኢኻ እሞ፣
ንሳህልኻ ኣንጊሄ እልል እብል አሎኹ።
17- ኣምላኽሲ እምባይ፣ ኣምላኽ ምሕረተይ እዩ እሞ፣
ኣታ ሓይለይ፣ ንኣኻ ምስጋና እዝምር አሎኹ።