![]() |
![]() |
![]() |
ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66 67 68 69 70 71 72 73 74 75 76 77 78 79 80 81 82 83 84 85 86 87 88 89 90 91 92 93 94 95 96 97 98 99 100 101 102 103 104 105 106 107 108 109 110 111 112 113 114 115 116 117 118 119 120 121 122 123 124 125 126 127 128 129 130 131 132 133 134 135 136 137 138 139 140 141 142 143 144 145 146 147 148 149 150
ንሊቀ መዘምራን፣ ብንጊኖት፣ ብሸሚኒት፣ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1- ዎ እግዚኣብሄር፣ ብዅራኻ ኣይትግንሓኒ፣
ብሓርቖትካ ድማ ኣይትቕጽዓኒ።
ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣዕጽምተይ ተሸቢረን እየን እሞ፣ ኣጥዕየኒ።
3- ነፍሰይውን ኣዝያ ተሸቢራ፣
ንስኻኸ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ክሳዕ መኣዝ፣
4- ዎ እግዚኣብሄር፣ ተመለስ፣ ንነፍሰይ ኣናግፋ፣
ምእንቲ ምሕረትካ ኣድሕነኒ።
5- ኣብ ሞት ዚዝክረካ የልቦን እሞ፣
ኣብ ሲኦልከ መን እዩ ዜመስግነካ፣
6- ኣነ ብእህህታ ሰልክየ፣
ለይተ ለይቲ ንመደቀስየይ ኤርሕሶ፣
ብመንጸፈይ ብንብዓተይ ኤጠልቅዮ አሎኹ።
7- ዓይነይ ብሓዘን ተባላሸወት፣
ብሰሪ ዅላቶም ተጻረርተይ ትኣርግ አላ።
8- እግዚኣብሄር ንድምጺ ብኽያተይ ስሚዕዎ እዩ እሞ፣
ኣቱም ገበርቲ እከይ ኵላትኩም፣ ካባይ ርሐቑ።
9- እግዚኣብሄር ንምህለላይ ሰሚዕዎ፣
እግዚኣብሄር ንጸሎተይ ኪቕበሎ እዩ።
10- ኵላቶም ጸላእተይ ኪሐፍሩ፣ እምብዛ ኺሽበሩ፣
ንድሕሪት ኪምለሱ፣ ብድንገት ኪሐፍሩ እዮም።