![]() |
![]() |
![]() |
ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66 67 68 69 70 71 72 73 74 75 76 77 78 79 80 81 82 83 84 85 86 87 88 89 90 91 92 93 94 95 96 97 98 99 100 101 102 103 104 105 106 107 108 109 110 111 112 113 114 115 116 117 118 119 120 121 122 123 124 125 126 127 128 129 130 131 132 133 134 135 136 137 138 139 140 141 142 143 144 145 146 147 148 149 150
ንሊቀ መዘምራን፣ ብሾሻኒም፣ ናይ ዳዊት።
1- ማያት ክሳዕ ነፍሰይ በጺሑ እዩ እሞ፣
ዎ ኣምላኽ፣ ኣድሕነኒ።
2- ናብቲ መርገጺ ዜብሉ ዓሚቝ ሰልሚ ሰጢመ፣
ኣብ ጥልቂ ማያት አትየ፣ ማዕበላት ከኣ የጥሕለኒ አሎ።
3- ብምእዋየይ ደኺመ፣ ጐረሮይ ነቒጹ፣
ኣዒንተይ ንኣምላኸይ ብምጽባይ ፈዚዘን።
4- ብኸንቱ ዚጸልኡኒ ኻብ ጸጕሪ ርእሰይ ይበዝሑ፣
ብዘይ ምኽንያት ኬጥፍኡኒ ዚደልዩ ጸላእተይ ሓያላት እዮም፣
ኤረ ዘይከተርክዎ ኽመልስ እኳ ግዲ ዀነኒ።
5- ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ዕሽነተይ ትፈልጥ ኢኻ፣
በደለይውን ካባኻ ኣይተሐብኤን።
6፣7- ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ስሌኻ ጸርፊ እጸውር አሎኹ።
ነውሪ ንገጸይ ኣጐልቢብዎ እዩ እሞ፣ እቶም ዚጽበዩኻ ብኣይ ኣይሕፈሩ፣
ኣታ ኣምላኽ እስራኤል፣ እቶም ዚደልዩኻ ብኣይ ኣይነውሩ።
8፣9- ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፣
ጸርፊ እቶም ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀንኩ።
ነሕዋተይ ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ኼንኩ።
11- ክዳን ሓዘን ምስ ለበስኩ፣ መመሰሊ ዀንክዎም።
12- ኣብ ደገ ዚቕመጡ ብዛዕባይ ይዛራረቡ፣
ሰካራት ብኣይ ይጭፍሩ።
13- ኣታ እግዚኣብሄር፣ ብቕብልቲ ጊዜ ግና ጸሎተይ ናባኻ እዩ፣
ዎ ኣምላኽ፣ ብብዝሒ ምሕረትካ፣ ብሓቂ ምድሓንካ ምለሰለይ።
14- ከይሰጥምሲ ኻብ ሰልሚ ኣውጽኣኒ፣
ካብ ጸላእተይን ካብ ጥልቂ ማያትን ኣናግፈኒ።
15- ማዕበላት ማይ ኣየጥሕለኒ፣ መዓሙቑ ድማ ኣይውሐጠኒ፣
ጕድጓድውን ኣብ ልዕለይ ኣፉ ኣይትዕጾ።
16- ጐይታየ፣ ሳህልኻ ሰናይ እዩ እሞ፣ ምለሰለይ፣
ከም ዕቤት ምሕረትካ ተመለሰኒ።
17- ጸቢቡኒ እዩ እሞ፣ ንባርያኻ ገጽካ ኣይትኸውለሉ፣
ቀልጢፍካ ምለሰለይ።
18- ክትብጀዋስ ናብ ነፍሰይ ቅረብ፣
ምእንቲ ጸላእተይ ኢልካ ኣናግፈኒ።
19- ንስኻ ጸርፈይን ነውረይን ሕፍረተይን ትፈልጦ ኢኻ፣
ኵሎም ተጻረርተይ ኣብ ቅድሜኻ አለዉ።
20- ንልበይ ጸርፊ ቐጥቂጥዎ ደኸምኩ፣
ዚድንግጸለይ ተጸቤኹ፣ ሓደ እኳ ኣይነበረን፣
ዜጸናንዑኒ ደልየውን፣ ሰአንኩ።
21- ኣብ መብልዔይ ሓሞት ገበሩ።
ንጽምኤይውን መጺጽ ኣስተዩኒ።
22- መኣዶም ኣብ ቅድሚኦም መፈንጠራ ይዀኖም፣
ደሓን ኢና ኺብሉ ኸለዉ፣ መጻወድያ ይዀኖም።
23- ኣዒንቶም ከይርእያ ይጸልምታ፣
ንሓቛቝኦምውን ኵሉ ጊዜ ኣንቀጥቅጦ።
24- መዓትካ ኣፍስሰሎም፣ ረስኒ ቝጥዓኻውን የርክቦም።
25- ማሕደሪኦም ይዕኖ፣ ኣብ ድንኳናቶም ዚነብር ሓደ እኳ ኣይረኸብ
26- ነቲ ዝወቓዕካዮ ይሰጕዎ፣
ናይቶም ዘቝሰልካዮም ቃንዛ የዘንትውዎ አለዉ እሞ፣
27- ኣብ ርእሲ ዓገቦም ዓገብ ወስኰም፣
ናብ ጽድቅኻውን ኣይእተዉ።
28- ካብ መጽሓፍ ህይወት ይደምሰሱ፣
ምስ ጻድቃን ድማ ኣይጸሐፉ።
29- ኣነ ግና መስኪንን ምግዱርን እየ፣
ዎ ኣምላኽ፣ ምድሓንካ ልዕል የብለኒ።
30- ንስም ኣምላኽ ብመዝሙር ከመስግኖ፣
ብምምሳው ከኣ ልዕል ከብሎ እየ፣
31- እዚ ንእግዚኣብሄር ካብ ዝራብዕ፣
ካብ ቀርንን ጽፍርን ዘለዎ ተፊንቲ ባህ ኬብሎ እዩ።
32፣33- እግዚኣብሄር ንድኻታት ይሰምዖም፣
ንእሱራቱውን ኣይንዕቕን እዩ እሞ፣
ትሑታት ነዚ ርእዮም ይሕጐሱ።
ኣቱም ንኣምላኽ እትደልይዎ፣
ልብኹም ብህይወት ይንበር።
34- ሰማይን ምድርን ባሕርን፣
ኣብኡ ዚዋሳወስ ኵሉን ንእኡ የመስግንዎ።
35- ኣምላኽ ንጽዮን ኬድሕና፣
ንኸተማታት ይሁዳውን ኪሀንጸን እዩ እሞ፣
ኣብኤን ኪነብሩን ኪርስትዩን፣
36- ዘርኢ ዚፈትዉ ኸኣ ኣብኣ ኺነብሩ እዮም።