![]() |
![]() |
![]() |
ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66 67 68 69 70 71 72 73 74 75 76 77 78 79 80 81 82 83 84 85 86 87 88 89 90 91 92 93 94 95 96 97 98 99 100 101 102 103 104 105 106 107 108 109 110 111 112 113 114 115 116 117 118 119 120 121 122 123 124 125 126 127 128 129 130 131 132 133 134 135 136 137 138 139 140 141 142 143 144 145 146 147 148 149 150
ዳዊት ብዛዕባ ቓላት ኩስ ብንያማዊ ንእግዚኣብሄር ዝዘመረሉ መዝሙር።
1፣2- ሰኣን ዜናግፈኒ፣ ጸላእየይ ንነፍሰይ
ከም ኣንበሳ ኸይሰላልዓን ከይምንጥላንሲ፣
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣባኻ ኣዕቍበ እኔኹ፣
ኣብ ኣእዳወይ ዓመጽ እተ አልዩ
4- ነቲ ምሳይ ብሰላም ዝነበረ
ኣብ ክንዲ ሰናይሲ እኩይ እንተ ፈድየዮ፣
ጸላኢ ዝዀነኒ ደኣ ኣናገፍክዎ፣
5- እቲ ጸላኢ ንነፍሰይ ይስጐጓን የርክባን፣
ንህይወተይ ኣብ ምድሪ ይርገጻ፣
ንኽብረይውን ኣብ ሓመድ የዋርዶ።
ኣብ ልዕሊ ነድሪ ተጻረርተይ ተለዐል፣
ንስኻ ፍርዲ አዘዝካ፣ ንረዲኤተይ ንቓሕ።
7- ማሕበር ህዝብታት ይኽበብካ፣
ኣብ ልዕሊኣ ኣብ በሪኽ ተመለስ።
8- እግዚኣብሄር፣ ንህዝብታት ኪፈርዶም እዩ፣
ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ጽድቀይን ከም ንጽህናይን ፍረደኒ።
9- ንልብን ኰላሊትን እትምርምር ጻድቕ ኣምላኽ ኢኻ እሞ፣’
ንኽፍኣት ረሲኣን ኣጥፍኣዮ፣
ንጻድቕ ግና ኣጽንዓዮ።
10- ዋልታይ ኣብ ኣምላኽ እዩ፣
ንሱ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም የድሕኖም።
ዕለተ ዕለት ዚዅሪ ኣምላኽ እዩ።
12- ሰብ እንተ ዘይተመልሰ፣
ሴፉ ስሒሉ፣ ቀስቱ ገቲሩ የዝግበሉ።
13- መሳርያ ሞት ድማ ኣዳለወሉ፣
ንፍላጻታቱ ኣርሰኖ።
ሕሰም ጠኒሱ ሓሶት ይወልድ።
15- ጕድጓድ ኵዒቱስ ኣዕመቛ፣
ናብታ ዝዀዐታ ጕድጓድውን ወደቐ።
16- ክፍኣቱ ናብ ርእሱ ኺምለስ፣
ዓመጻኡውን ናብ ቅርቅርቱ ኺወርድ እዩ።
17- ንእግዚኣብሄር ከም ጽድቁ ኸመስግኖ፣
ነቲ ልዑል፣ ንስም እግዚኣብሄር፣ ክዝምረሉ እየ።