![]() |
![]() |
![]() |
ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66 67 68 69 70 71 72 73 74 75 76 77 78 79 80 81 82 83 84 85 86 87 88 89 90 91 92 93 94 95 96 97 98 99 100 101 102 103 104 105 106 107 108 109 110 111 112 113 114 115 116 117 118 119 120 121 122 123 124 125 126 127 128 129 130 131 132 133 134 135 136 137 138 139 140 141 142 143 144 145 146 147 148 149 150
ንሊቀ መዘምራን፣ ብጌቲት፣ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1- ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐይታና፣
ኣታ ንግርማኻ ኣብ ሰማያት ዝተኸልካዮ፣
ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ።
ነቲ ጻላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፣
ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብዉን ሓይሊ ኣዳሎኻ።
3- ንሰማያትካ፣ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፣ ንስኻ ዘቘምካዮም፣
ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፣
4- እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፣
እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፣
5- ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮ፣
ብኽብርን ጌጽን ከኣ ኸለልካዮ።
6- ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ሸምካዮ፣
ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ጌርካዮ፣
7- ንብዘለዋ ዅላተን ኣባጊዕን ኣሓን፣
እንስሳታት በረኻውን
8- ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን
ነቲ ብመገድታት ባሕሪ ዚሐልፍ ዘበለን።
9- ዎ እግዚኣብሄር ጐይታና፣
ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ።