![]() |
![]() |
![]() |
ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66 67 68 69 70 71 72 73 74 75 76 77 78 79 80 81 82 83 84 85 86 87 88 89 90 91 92 93 94 95 96 97 98 99 100 101 102 103 104 105 106 107 108 109 110 111 112 113 114 115 116 117 118 119 120 121 122 123 124 125 126 127 128 129 130 131 132 133 134 135 136 137 138 139 140 141 142 143 144 145 146 147 148 149 150
ንሊቀ መዘምራን፣ ብሙት ላቤን፣ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1- ብምሉእ ልበይ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ፣
ኵሉ ተኣምራትካ ኽነግር እየ።
2- ብኣኻ ኽሕጐስን ክፍሳህን፣
ዎ ልዑል፣ ንስምካ ኽዝምር እየ።
3- ጸላእተይ ንድሕሪት ምስ ተመልሱ፣
ወደቑ፣ ካብ ቅድሚ ገጽካውን ጠፍኡ።
4- መሰለይን ነገረይን ወዳእካ እሞ፣
ጻድቕ ፈራዲ ዄንካ ኣብ ዝፋን ተቐመጥካ።
5- ነህዛብ ገናሕካዮም፣ ንረሲኣን ኣጥፋእካዮም፣
ስሞም ከኣ ንዘለኣለም ደምሰስካዮ።
6- ጸላእቲ ንሓዋሩ ተጠሪሶም፣
ከተማታትሲ፣ መዘከርታኤን እኳ ኽሳዕ ዚጠፍእ፣ ዖንየን።
7- እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ነጊሱ ይነብር፣
8- ንሱ ንዓለም ብጽድቂ ኺፈርዳ፣
ንህዝብታትውን ብቕንዕና ኺዳንዮም እዩ።
ብጊዜ ጸበባ እምባ እዩ።
እቶም ንስምካ ዚፈልጡ ኣባኻ ኺምዕቈቡ እዮም።
11፣12- እቲ ሕነ ደም ዚፈዲ ዘኪርዎም፣
ንኣውያት ጥቑዓት ከኣ ኣይርስዖን እዩ እሞ፣
ነቲ ኣብ ጽዮን ዚነብር እግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣
ኣብ ማእከል ኣህዛብ ግብርታቱ ንገሩ።
13፣14- ኣብ ደጌታት ጓል ጽዮን ብምድሓንካ ኽፍሳህ፣
ምስጋናኻ ምእንቲ ኽነግርሲ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣
ነቲ ብጸላእተይ ዝረኽቦ መከራ ርአዮ እሞ፣
ኣታ ኻብ ደጌታት ሞት እትስሕበኒ፣ ደንግጸለይ።
በቲ ዝሐብእዎ መፈንጠራ ኸኣ እግሮም ተፈንጠረ።
16- እግዚኣብሄር ርእሱ ኣፍለጠ፣ ጽድቂ ገበረ፣
ረሲእ ብግብሪ ኢዱ ተሐንኰለ። ሂጋዮን። ሴላ።
17- ረሲኣን፣ ንኣምላኽ ዚርስዕዎ ዅላቶም ኣህዛብ፣
ናብ ሲኦል እዮም ዚምለሱ።
18- ድኻስ ንሓዋሩ ኣይኪርሳዕን እዩ እሞ፣
ተስፋ መስኪን ንዘለኣለም ኣይኪጠፍእን እዩ።
19- ዎ እግዚኣብሄር፣ ተስእ፣ ሰብሲ ኣይትበርትዕ።
ኣህዛብ ኣብ ቅድሜኻ ይፈረዱ።
20- ዎ እግዚኣብሄር፣ ፍርሃት ኣውድቐሎም፣
ኣህዛብሲ ሰብ ምዃኖም ደኣ ይፍለጡ። ሴላ።