ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13
1 - ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡ 2 - ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኲሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና፡ 3 - ንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን ከሎ፡ ኲሉውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ፡ ምንጻህ ሓጢኣትና ምስ ገበረ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ። 4 - ካብቶም መላእኽቲ ብዙሕ ዚበልጽ ስም ብዝወረሶ መጠን ክሳዕ ክንድዚ ኻባታቶም በለጸል 5 - እስኪ፡ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ? ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ከም ብሓድሽ ድማ፡ ኣነ ኣቦ እዀኖ፡ ንሱውን ውሉድ ይዀነኒ፡ ዝበሎ? 6 - ከም ብሓድሽ ድማ ነቲ በዂሪ ናብ ዓለም ኬእትዎ ኸሎ፡ ኲላቶም መላእኽቲ ኣምላኽ ይሰግዱሉ፡ ይብል። 7 - ብዛዕባ መላእኽቲ ኸኣ፡ መላእኽቱ ንፋሳት፡ ኣገልገልቱውን ሃልሃታ ሓዊ ዚገብር፡ ይብል። 8 - ብዛዕባ ወዱ ግና፡ ኣታ ኣምላኸይ። ዝፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብር፡ በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ፡ 9 - ጽድቂ ፈቶካ ዓመጻ ኸኣ ጸላእካ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ፡ እዩ ዚብል። 10 - ድማ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኻብ ቀደም ንምድሪ ሰረትካያ፡ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። 11 - እዚኣቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ትነብር፡ ኲሉውን ከም ክዳን ኪበሊ እዩ። 12 - ከም ዓለባ ድማ ክትጥቕልሎ ኢኻ፡ ኪልወጥውን እዩ፡ ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፡ ዓመታትካውን ኣይኪውድኣን እየን፡ ይብል። 13 - እስኪ፡ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮምሲ፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ ዝበሎ? 14 - ኲሎምዶ፡ ነገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም ዚለኣኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ኣይኰኑን?