ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52
1 - እግዚኣብሄር ከምዚ በለ፡ ኪድ፡ ካብቲ ሰራሕ መሬት ከኣ ሳርማ ተሻየጥ እሞ ገለ ኻብቶም ዓበይቲ ህዝብን ካብቶም ዓበይቲ ኻህናትን ተማላእ። 2 - ናብቲ ኣብ ጥቓ መእተዊ ደገ ናይቶም ሰራሕቲ መሬት ዘሎ ለሰ ወዲ ሂኒም ውጻእ። ኣብኡ ዄንካ ድማ እቲ ኣነ ዝነግረካ ቓል ኣውጅ፡ 3 - በልውን፡ ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ስፍራ እዚ ንዝሰምዖ ዘበለ ዂሉ ኣእዛኑ ዚጸመሉ መዓት ከውርድ እየ። 4 - ንኣይ ሐዲጎምኒ፡ ነዚ ስፍራ እዚ ጓና ገይሮምዎ፡ ነቶም ንሳቶምን ኣቦታቶምን ነገስታት ይሁዳን ዘይፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ዐጢኖምሉ፡ ነዚ ስፍራ እዚ ብደም ንጹሃት መሊኦምዎ እዮም። 5 - ኣነ ዘይኣዘዝክዎን ዘይተዛረብክዎን ኣብ ልበይውን ዘይኣተወንሲ፡ ንበዓል ዚሐርር መስዋእቲ ኪዀኑ ኢሎም፡ ነወዳቶም ብሓዊ ምእንቲ ኼንድድዎም፡ በረኽቲ ስፍራ ንበዓል ሰርሑ። 6 - ስለዚ ኸኣ እንሆ፡ እዝ ስፍራ እዚ ለሰ ምሕራድ እምበር፡ ቶፌቶ ወይስ ለሰ ወዲ ሂኖም ኢሉ ዘይስመየለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 7 - ኣነ ኸኣ ኣብዚ ስፍራ እዚ ንምኽሪ ይሁዳን የሩሳሌምን ከንቱ ኽገብሮ እየ። ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ብሰይፍን ብኢድ እቶም ነፍሶም ዚደልዩን ገይረ ኸውድቖም እየ። ሬሳታቶም ድማ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ምግቢ ኪዀኖም ክህቦ እየ። 8 - ነዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ንመሰክሕን ንመላገጽን ክገብራ እየ። ብእኣ ዚሐልፍ ዘበለ ብዂሉ ስቓያ ኺስክሕን ኬላግጽን እዩ። 9 - ስጋ ኣወዳቶምን ስጋ ኣዋልዶምን ከብልዖም እየ። ብጸላእቶምን በቶም ነፍሶም ዚደልዮም ተኸቢቦም ጸቢብዎም ምስ ተጨነቑ፡ ስጋ ሓድሕዶም ኪባልዑ እዮም። 10 - ሽዑ ሳርማ ኣብ ቅድሚ እቶም እተማላእካዮም ሰባት ስበራ እሞ በሎም፡ 11 - ከምቲ ናይ ሰራሕ መሬት ኣቕሓ ምስ ተሰብረ ዘይዕረ፡ ከምኡ ነዚ ህዝቢ እዝን ነዛ ኸተማ እዚኣን ክሰብሮም እየ። ስፍራ ስለ እተሳእነ ድማ ኣብ ቶፌት ኪቕበሩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 12 - ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸም ቶፌት ክገብራስ፡ ነዚ ስፍራ እዝን ነቶም ኣብኡ ዚነብሩን ከምኡ ኽገብሮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 13 - ኣባይቲ የሩሳሌምን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፡ ኲለን እተን ኣብ ዝባን ናሕሲ ንዂሎም ሰራዊት ሰማይ ዝዐጠኑለን፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዝኸዐዉለን ኣባይትን፡ ከም ስፍራ ቶፌት ኪረኽሳ እየን። 14 - ኤርምያስ ከኣ ካብቲ እግዚኣብሄር ኪንበ ኢሉ ልኢኽዎ ዝነበረ ቶፌት ተመሊሱ ኣብ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ቈመ፡ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ በለ፡ 15 - እንሆ፡ ንቓለይ ከይሰምዑ ኽሳዶም ኣትሪሮም እዮም እሞ፡ ናብዛ ኸተማ እዚኣን ናብ ኲለን ዓድታታን እቲ እተዛረብኩላ ዘበለ ዂሉ መዓት ከውርደለን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል።