ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52
1 - ኣብ ኣደባባይ የሩሳሌም ዙሩ እሞ ርኣዩን ተመልከቱን፡ ኣብ ዕዳጋታታ ኸኣ ድለዩ፡ ሓደ እኳ፡ ሓደ በይኑ ፍትሒ ዚገብር ሓቂ ኸኣ ዚደሊ እንተ ረኸብኩም፡ ኣነውን ይቕረ ኽብለላ እየ። 2 - ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ እኳ እንተ በሉ፡ብሓሶት እዮም ዚምሕሉ ዘለው። 3 - ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዒንትኻዶ ሓቂ ኣይኰናን ዚደልያ፡ ወቓዕካዮም፡ ግናኸ ኣየሕመሞምን። ኣኰትካዮም፡ ግናኸ ኣይተቐጽዑን። ገጾም ካብ ከውሒ ዚተርር ገበሩ እሞ ምምላስ ኣበዩ። 4 - ኣነ ኸኣ፡ እዚኣቶም መገዲ እግዚኣብሄርን ፍትሒ ኣምላኾምን ዘይፈልጡ እዮም እሞ፡ ድኻታትን ዓያሱን እዮም፡ 5 - እምበኣርሲ ናብቶም ዓበይቲ ደኣ ክኸይድ፡ ንሳቶም መገዲ እግዚኣብሄርን ፍትሒ ኣምላኾምን ዚፈልጡ እዮም እሞ፡ ክነፍሮም፡ በልኩ። ግናኸ እዚኣቶም ድማ ሐቢሮም ኣርዑት ሰበሩ መእሰሪታትውን በጠሱ። 6 - ኣበሳኦም ታእላው የብሉን፡ ጥልመቶም ከኣ እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ እሞ፡ ስለዚ ኣንበሳ ኻብ ዱር ወጺኡ ይሰብሮም፡ ተዂላ መሮር ድማ የጥፍኦም፡ ነብሪ ኣብ ከተማታቶም ይቃጾ፡ ውጽእ ንዝበለውን ይምንጥሎ። 7 - ከመይ ኢለ ይቅረ ኽብለልኪ? ደቅኺ ጠለሙኒ፡ ኣማልኽቲ ብዘይ ኰኑ ኸኣ ይምሕሉ ኣለው። ኣጽገብክዎም፡ ንሳቶም ድማ ዘመው፡ ኣብ ቤት ኣመንዝራውን ተኣኻኸቡ። 8 - ከምቶም ጽቡቕ እተመጨኑ ውዑያት ኣፍራስ እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ደድሕሪ ሰበይቲ ብጻዩ ይሕምሕም። 9 - በዚ ነገር እዚዶ ኣይክቐጸዖምን እየ? ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ህዝብስ ነፍሰይዶ ሕነ ኣይክትፈድዮን እያ? ይብል እግዚኣብሄር። 10 ፡ 11 - ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ጠሊሞምኒ እዮም እሞ፡ ኣብ ቀጽርታታ ደዪብኩም ኣፍርሱ፡ ግናኸ ብጥራስ ኣይተጥፍእዋ። ጨናፍራ ናይ እግዚኣብሄር ኣይኰነን እሞ፡ ኣርሕቕዎም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 12 ፡ 13 - እዚኣቶም ከኣ፡ እግዚኣብሄር የሎን፡ ክፋእ ኣይኪወርደናን እዩ ሰይፍን ጥሜትን ኣይክንርእን ኢና፡ ነብያት ንፋስ ኪዀኑ እዮም፡ ብኣታቶም ዚዛረብ ከኣ የልቦን፡ ከምኡ ንርእሶም ይኹን፡ ኢሎም ንእግዚኣብሄር ኸሐዱ። 14 - ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ቓል እዚ ስለ እተዛረብኩም፡ እንሆ፡ ነቲ ቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኸም ሓዊ፡ ነዚ ህዝቢ ድማ ከም ዕጨይቲ ኽገብሮ እየ እሞ ኪልቚምጾም እዩ። 15 - ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ርሑቕ ከም ጽኣልኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓያል ህዝቢ፡ ጥንታዊ ህዝቢ፡ ቋንቋኦም ዘይትፈልጦ፡ ዘረባኦም ድማ ዘይተስተውዕሎ ህዝቢ እዮም። 16 - ጒልድባኦም ክፋት መቓብር እዩ፡ ኲላቶም ከኣ ጀጋኑ እዮም። 17 - ንሳቶም ነቲ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኪበልዕዎ ዚግባእ ቀውዕኻን እንጌራኻን ኪበልዑ፡ ወይንኻን በለስካን ኪበልዑ እዮም። ነተን እትእመነን ጽኑዓት ከተማታትካ ብሰይፊ ኼፍርስወን እዮም። 18 - ግናኸ በተን መዓልትታት እቲኣተን ከኣ ብጥራስ ኣይከጥፍኣኩምን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 19 - ንስኻትኩም ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለምንታይ እዩ እዚ ዂሉ ዝገበረና? እንተ በልኩም፡ ሽዑ ንስኻ፡ ከምቲ ንስኻትኩም ዝሐደግኩምኒ፡ ኣብ ሃገርኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ እተገዛእኩም፡ ከምኡውን ኣብ ዘይሃገርኩም ንጓኖት ክትግዝኡ ኢኹም፡ ኢልካ ምለሰሎም። 20 - እዚ ኣብ ቤት ይእቆብ ኣውርዩ፡ ኣብ ይሁዳ ኸኣ ንገሩ እሞ በሉ፡ 21 - ኣታ ልቢ ዜብሉ፡ ዓይኒ ኸለዎ ዘይርኢ፡ እዝኒ ኸለዎ ድማ ዘይሰምዕ ዓሻ ህዝቢ፡ እዚ ስማዕ፡ 22 - ንኣይሲ ኣይምፈራህኩምንንዶ? ብዘለኣለማዊ ትእዛዝ ገይረ ኸይሐልፎ ድበት ንደረት ባሕሪ ዝገበርኩኸ፡ ኣብ ቅድመይዶ ራዕራዕ ኣይምበልኩምን? ማዕበሉ እኳ እንተ በርትዔ፡ ኣይኽእሎን፡ ይሃጽፍ፡ ግናኸ ከቶ ኣይሳገሮን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 23 - እዚ ህዝቢ እዚ ግና እምቢተኛን ዓላውን ልቢ ኣለዎ፡ ንድሕሪት ይምለሱ እሞ ጸው ይብሉ። 24 - ብልቦም ከኣ፡ ነቲ በብጊዜኡ ዝናም ጽድያን ቀውዕን ዚህበና፡ ምዱባት ሳምንትታት ቀውዒውን ዝሰርዓልና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንፍርሃዮ፡ ኣይበሉን። 25 - ኣበሳኹም ነዚ ኸልከለ፡ ሓጢኣትኩም ከኣ ነዚ ጸጽቡቕ ኣኽልኣኩም። 26 - ኣብቶም ህዝበይሲ ረሲኣን ሰባት ይርከቡ፡ ከምቶም ኣዕዋፍ ዜፈንጥሩ ይቃጸው፡ መፈንጠራ ዘርጊሖም ከኣ ሰብ የፈንጥሩ ኣለው። 27 - ከምታ በዕዋፍ ዝመልኤ እንዳ ዑፍ፡ ከምኡ ድማ ቤቶም ብምጥባር ምሉእ እዩ። ዝለዚ ዓበይትን ሃብታማትን ኰኑ። 28 - ስቡሓትን ዜባርቑን ኰኑ፡ ንእከዮም ወሰን የብሉን። ፍትሒ ንዘኽታም፡ ነገሩ ዜቕንዓሉ ፍትሒ፡ ኣየውጽኣሉን፡ ንድኻውን መሰሉ ኣይብይኑሉን። 29 - በዚ ነገር እዚዶ ኣይክቐጽዖምን እየ? ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ህዝብስ ነፍሰይዶ ሕነ ኣይክትፈድዮን እያ? ይብል እግዚኣብሄር። 30 - ኣብታ ሃገር እቲኣ ጒድን ዜሰክሕን እዩ ዚግበር ዘሎ፡ 31 - ነብያት ብሓሶት ይንበዩ፡ ካህናት ከኣ ብኢዶም ይገዝኡ ኣለው፡ ህዝበይውን ባህ ኢልዎ ይሰምሮ ኣሎ። ኣብ መወዳእታኡ ደኣኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?