ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50 51 52 53 54 55 56 57 58 59 60 61 62 63 64 65 66
1- እንሆ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ደገፋን ምርኩስ፡ ኲሉ ደገፉ እንጌራን ኲሉ ደገፉ ማይን ኬርሕቕ እዩ።
2- ነቲ ጅግናን ተዋጋእን ነቲ ፈራድን ንነብይን ነቲ ፈላጥን ንኣረጊትን፡
3- ነቲ ሓለቓ ሓምሳን ንምርኡይ ሰብን ነቲ መኻርን ንንፋዕ ብዓል ኢደ ጥበብን ንብልሓተኛ ዓዛምን ኬርሕቖም እዩ።
4- ቈልዑ መሳፍንቶም ኪዀኑ ኽህቦም እየ፡ ሕጻናት ከኣ ኪመልክዎም እዮም።
5- እቲ ህዝቢ ድማ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ፡ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ኺገፍዖ እዩ፡ ቈልዓ ንኣረጊት፡ እቲ ሕማቕ ድማ ነቲ ኽቡር ኪደፍሮ እዩ።
6- ሓደ ንሓው ኣብ ቤት ኣቦኡ ሒዙ፡ ክዳን ኣሎካ እሞ፡ ገዛኢ ኹነና፡ ነዚ ምዕናው እዚ ኣብ ትሕቲ ኢድካ ግበሮ፡ ምስ ዚብሎ፡
7- እቲውን በታ መዓልቲ እቲኣ ኢዱ ኣልዒሉ፡ ኣነ ዘናን ቊስሊ ኣይኰንኩን፡ ኣብ ቤተይ ድማ እንጌራ ወይስ ክዳን የልቦን፡ እሞ፡ ገዛእ ህዝቢ ኣይትግበሩኒ፡ ኪብል እዩ።
8- ነዒንቲ ኽብሩ ኬቘጥዕወን ኢሎምሲ፡ ልሳኖምን ግብሮምን ንእግዚኣብሄር ስለ እተጻረረ፡ የሩሳሌም ሰንከልከል ትብል፡ ይሁዳ ኸኣ ትወድቕ ኣላ።
9- ትርኢት ገጾም ዜርትዖም ይምስክር፡ ንሓጢኣቶም ከም ሶዶም የውርይዎ፡ ኣይሐብእዎን ከኣ፡ ኣብ ርእሶም ሕሰም የምጽኡ ኣለው እሞ፡ ወይለኣ ነፍሶም።
0-ንጻድቕ፡ ፍረግብሩ ኺበልዕ እዩ እሞ፡ ተዐዊትካ በልዎ።
11- ንረሲእሲ እኩይ ኪረኽቦ እዩ፡ ግብሪ ኢዱ ኺፍደ እዩ እሞ፡ ወይለኡ።
12- ገፋዕቲ ህዝበይ ቈልዑ እዮም፡ ኣንስቲ ኸኣ ይገዝእኦ ኣለዋ። ዎ ህዝበይ፡ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ኸኣ የጥፍእዋ ኣለው።
13- እግዚኣብሄር ኪምጒት ይትንስእ፡ ንህዝብታት ኪፈርዶም ይቐውም።
14- እግዚኣብሄር ነቶም ናይ ህዝቡ ዓበይትን መሳፍንትን ኪፈርዶም ይኣቱ፡ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ንስኻትኩም ኢኹም ዝበላዕኩምዎ፡ እቲ ኻብ ድኻታት ዝዘረፍኩምዎ ኣብ ኣባይትኹም ኣሎ።
15- ንህዝበይ እትረግጽዎ፡ ንገጽ ድኻታት ከኣ እትደቚሱንሲ፡ ስለምንታይ ኢኹም? ይብል እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት።
16- መሊሱ እግዚኣብሄር በለ፡ ኣዋልድ ጽዮን ኰሪዔን፡ ክሳውደን ገቲረን፡ በዒንተን ቅምጽ እናበላን ብግንትእ ዚብል ኣረጋግጻን ብሽዋሕዋሕ ዚብል ስልማት እግርን ይኸዳ ኣለዋ እሞ፡
17- እግዚኣብሄር ንናላ ኣዋልድ ጽዮን ኬንኲዖ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንሓፍረተን ኪቐልዖ እዩ።
18- በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌጽ ኣምባር እግርን ንጥሉፍ መጐልበብን ንሳንቃ ድርን ኪቕንጥጦ እዩ።
19- ንዂትሻን ኣምባር ኢድን መጐልበብን፡
20- ንመጠምጠምያን ስጒሚ ኼሕጽር እተሰርሔ ሰንሰለትን ንቕናትን ቢልቃጥ ሽቱን ክታባውትን፡
21- ንቐለቤት ኣጻብዕን ቀለቤት ኣፍንጫን፡
22- ንኽዳውንቲ በዓልን ባርኖስን፡ ንመደረብታን ሕልሕሎን፡
23- ንመስትያትን ቅዕጭን ዓለባን ንጋማን መጐልበብን ኪቕንጥጦ እዩ።
24- ኣብ ክንዲ ምኡዝ ሽቱ ጺእ ጨና፡ ኣብ ክንዲ ቕናት ከኣ ገመድ፡ ኣብ ክንዲ ጐተና ነዃዕ፡ ኣብ ክንዲ ባርኖስ ከኣ ከሊ፡ ኣብ ክንዲ ጽባቐ መልክዕውን ናይ ንዳድ በሰላ ኪኸውን እዩ።
25- ሰብኡትኪ ብሰይፊ፡ ጀጋኑኺ ኣብ ውግእ ኪወድቁ እዮም።
26- ደጌታት ኪቚዝማን ኪሐዝናን እየን፡ ዖንያ ኸኣ ኣብ ምድሪ ኽትቅመጥ እያ።