ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24
1- እቲ ኻልኣይ ዕጭ ድማ ንስምኦን፡ ንነግድ ደቂ ስምኦን ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። እቲ ርስቶም ከአ ኣብ ማእከል ርስቲ ደቂ ይሁዳ ነበረ። 2- ኣብ ርስቶም ዝኾና ኸአ፡ ብኤር-ሸባዕን ሸባን ሞላዳን፡ 3- ሓጻር-ሹዓልን ባላን ዓጸምን፡ 4- ኤልቶላድን በቱልን ሖርማን፡ 5- ጺቅላግን ቤት-ማርኮባትን ሓጻር-ሱሳን፡ 6- ቤት-ለባኦትን ሻሩሔንን፡ ዓሰርተው ስለስተ ኸተማ ምስ ዓድታተን፡ 7- ዓዩንን ሪሞንን ዔትርን ዓሻንን፡ ኣርባዕተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። 8- ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚኤን ክሳዕ በዓላት-ብኤር፡ ንሳ ኸአ እታ ናይ ደቡብ ራማ፡ ዘለዋ ኹለን ዓድታት። ርስቲ ነገድ ደቂ ስምኦን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ። 9- ርስቲ ደቂ ስምኦን ካብ ግደ ይሁዳ ኾነ፡ ግደ ደቂ ይሁዳ ንኣታቶም እምብዛ ገፊሕዎም ነበረ እሞ፡ ስለዚ ደቂ ስምኦን ኣብ ማእከል ርስቲ እቲኣቶም ተረስተዩ።
10- እቲ ሳልሳይ ዕጭ ድማ ንደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። ዶብ ርስቶም ከአ ክሳዕ ሳሪድ እዩ። 11- ዶቦም ድማ ንምዕራብ ናብ ማርዓላ ኣቢሉ ይድይብ እሞ ናብ ዳበሸት ኣቢሉ ናብቲ ኣብ መንጽር ዩቅነዓም ዘሎ ርባ ይበጽሕ። 12- ካብ ሳሪድ ከአ ናብ ምብራቕ፡ ናብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ዶብ ያፊዓ ድማ ይድይብ። 13- ካብኣ ኸአ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ጋት-ሔፈርን ናብ ዒታ-ቃጺንን ይሐልፍ፡ ናብታ ናብ ኔዓ እትበጽሕ ሪሞን ይወጽእ። 14- እቲ ዶብ ድማ ንእአ ዞይሩ ብሰሜን ገይሩ ናብ ሓናቶን የብል ናብ ለሰ ይፍታሕ-ኤል ከአ ይወጽእ። 15- ቃጣትን ናሃላልን ሺምሮንን ዩድኣላን ቤት-ልሄምን፡ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። 16- ርስቲ ደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምስ ዓድታተን።
17- እቲ ራብዓይ ዕጭ ይሳኮር፡ ንደቂ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። 18- ዶቦም ድማ ናይ ይዝርኤልን ኬሱሌትን ሹነምን ይበጽሕ። 19- ናብ ሓፍራዮምን ሺኦንን ኣናሓራትን፡ 20- ራቢትን ቂሽዮንን ኣቤጽን፡ 21- ሬመትን ዔንጋኒምን ዔን-ሓዳን ቤት-ጳጼጽን። 22- እቲ ዶብ ከአ ናብ ታቦርን ሻሃጺማን ቤት-ሽመሽን ይበጽሕ። እቲ ዶቦም ድማ ናብ ዮርዳኖስ ይወጽእ፡ ዓሰርተው ሹዱሽተ ምስ ዓድታተን። 23- ርስቲ ነገድ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እተን ከተማታት ምስ ዓድታተን።
24- እቲ ሓምሳይ ዕጭ ከአ ንነገድ ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። 25- ዶቦም ድማ ሔልቃትን ሓሊን ቤጤንን ኣክሻፍን እዩ፡ 26- ድማ ኣላመሌክን ዓምዓድን ምሽኣልን፡ ብወገን ምዕራብ ከአ ናብ ካርሜልን ናብ ሺሖር-ሊብናትን ይበጽሕ። 27- ንምብራቕ ጸሓይ ኣቢሉ ናብ ቤት ዳጎን ይምለስ፡ ናብ ዛብሎንን ናብ ለሰ ይፍታሕ-ኤል ኣብ ሰሜን ቤት-ዔመቅን ነዒኤልን በጺሑ፡ ብጸጋም ካቡል ይወጽእ። 28- ድማ ናብ ዔብሮንን ናብ ሬሖብን ናብ ሓሞንን ናብ ቃናን ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶን ይበጽሕ። 29- እቲ ዶብ ድማ ብራማ ኣቢሉ ኽሳዕ እታ እተዐርደት ከተማ ጢሮስ ይምለስ፡ እቲ ዶብ ከአ ናብ ሓሳ ይምለስ እሞ ናብ ባሕሪ ምድሪ ኣክዚብ ይወጽእ። 30- ድማ ዑማን ኣፌቅን ሬሖብን፡ ዕስራን ክልተን ከተማ ምስ ዓድታተን። 31- ርስቲ ነገድ ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምስ ዓድታተን።
32- እቲ ሳድሳይ ዕጭ ንደቂ ንፍታሌም፡ ንደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። 33- ዶቦም ድማ ካብ ሔሌፍን ካብታ ኣብ ጸዓርኒም ዘላ ኤሎንን ኣዳሚ-ኔቄብን ያብኔኤልን ክሳዕ ላቁም በጺሑ፡ ናብ ዮርዳኖስ ይወጽእ። 34- እቲ ዶብ ድማ ንሞራብ ኣቢሉ፡ ናብ ኣዝኖት-ታቦር ይምለስ፡ ካብኡ ኸአ ናብ ሑቆት ይወጽእ እሞ ብደቡብ ናብ ዛብሎን ብምዕራብውን ናብ ኣሴር፡ ብምብራቕ ጸሓይ ድማ ናብ ይሁዳ ዮርዳኖስ ይበጽሕ። 35- እተን እተዐርዳ ኸተማታት ድማ ጺድምን ጼርን ሓማትን ራቃትን ኪነሬትን፡ 36- ኣዳማን ራማን ሓጾርን፡ 37- ቄዴሽን ኤድሬዒን ዔን-ሓጾርን፡ 38- ዪርኣንን ሚግዳል-ኤልን ሖሬምን ቤት-ዓናትን ቤት-ሽመሽን፡ ዓሰርተው ትሽዓተ ኸተማ ምስ ዓድታተን እየን። 39- ርስቲ ነገድ ደቂ ንፍታሌን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምስ ዓድታተን።
40- እቲ ሳብዓይ ዕጭ ንነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። 41- ዶብ ርስቶም ድማ ጸርዓን ኣኤሽታኦልን ዔር-ሽመሽን፡ 42- ሻዓሊቢንን ኣያሎንን ዮትላን፡ 43- ኤሎንን ቲምናታን ዒቅሮንን፡ 44- ኤልትቄን ጊብቶንን ባዓላትን፡ 45- ይሁድን በነ-ራቅን ጋት-ሪሞንን፡ 46- መ-ያርቆንን ራቆንን ምስቲ ኣብ መንጽር ያፎ ዘሎ ዶብ። 47- እቶም ደቂ ዳን ድማ ደየቡ እሞ ንሌሼም ተዋጊኦም ሐዝዋ፡ ብስሕለት ሴፍ ከአ ኣጥፍእዋ፡ ወሪሶም ድማ ተቐመጥዋ እሞ፡ ዶብ ደቂ ዳን ካብ ናቶም ሓሊፉ ወጸ፡ ንለሼም ከአ። ከም ስም ኣቦኦም፡ ዳን ኢሎም ሰመይዋ። 48- ርስቲ ነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምድ ዓድታተን።
49- ነታ ምድሪ በብዶብ ንርስቲ ምስ ተማቐልዋ ኸአ፡ ደቂ እስራኤል ንእያሱ ወዲ ነዌ ኣብ ማእከሎም ርስቲ ሀብዎ። 50- ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር እታ ዝደለያ ኣብ ከረን ኤፍሬም ዘላ ኸተማ፡ ቲምናት-ሴራ ሀብዎ። ነታ ኸተማ ሰርሓ፡ ኣብኣ ድማ ተቐመጠ።