1- ንቂሮስ ንፉስ ፋርስ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ፡ እቲ ብኣፍ ኤርምያስ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺፍጸም፡ እግዚኣብሄር ንመንግስቱ ድማ ብቓል ብጽሕፈትን ከምዚ ኢሉ ኣወጀ። 2- ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዚ ይብል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ ኩለን መንግስትታት ምድሪ ሀበኒ፡ ንሱ ኸአ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ዮርሳሌም ቤት ክሰርሓሉ አዘዘኒ። 3- ዝኾነ ይኹን ካብ ህዝቡ ኣብ ማእከልኮም ዘሎ ኸአ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን። ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዚነብር ኣምላኽ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ቤት ኪሰርሓሉ ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ዮርሳሌም ይደይብ። 4- ኣብ ኩለን ቦታ ሰደቱ ንዝተረፈ ዘበለ ሰብ ድማ፡ እቶም ሰብ እታ ቦታ፡ ብጀካ እቲ ብፍቓዶም ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዘሎ ቤት ኣምላኽ ዚወሀብሲ፡ ብብሩርን ብወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ይሐግዝዎ።
5- ሽዑ እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ይሁዳን ብንያምን ካህናትን ሌዋውያንን፡ ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ኪሰርሑ ኺድይቡ ኣምላኽ ንመንፈሶም ዝደረኾ ዘበሉ ተላዕሉ። 6- እቶም ኣብ ከባቢኦም ዚነብሩ ኹላቶም ከአ፡ ብጀካ እቲ ብፍቓዶም ዝሀብዎ ህያብ፡ ብቕሓ ብሩርን ብወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ብዝኸበረ ህያባትን ኣእዳዎም ደገፍ።
7- ነቲ ነቡክዳነጻር ካብ ዮርዳሌም ኣውጺኡ ኣብ ቤት ኣምላኹ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ከአ፡ ንጉስ ቂሮስ ኣውጽኦ። 8- ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ድማ፡ ብኢድ ሚትረዳት እቲ ተሓዝ መዝገብ ኣውጽኢ ንሹም ይሁዳ፡ ንሽሽባጸር፡ ፈቒዱ ሀቦ። 9- ፍቕዱ ኸአ እዚ እዩ፡ ጭሔሎ ወርቂ ሰላሳ፡ ጭሔሎ ብሩር ሽሕ፡ ካራታት ዕስራን ትሽዓተን፡ 10- ጽዋእ ወርቂ ሰላሳ፡ ካልእ ዓይነት ጽዋእ ብሩር ኣርባዕተ ሚእትን ዓሰርተን፡ ካልእ ኣቕሓ ኸአ ሽሕ። 11- ኩሉ ኣቕሓ ወርቅን ብሩርን ሓሙሽተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ። እቶም ምሩኻት ካብ ባቢሎን ናብ ዮርሳሌም ኪድይቡ ኸለው፡ ሸሽባጻር ነዚ ኹሉ ኣደየቦ።