1 - እምብኣርሲ፡ ኣቱም ኣነ ዘፍቅረኩምን ዝናፍቐኩምን፡ ሓጐሰይን ኣኽሊለይን፡ ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ከምዚ ዄንኩም ብጐይታ ጽንዑ።
2 - ሓሳበን ንጐይታ ሓንቲ ኽትከውን፡ ንኤዎድያ እምዕድ፡ ንስንጥኬውን እምዕድ ኣሎኹ። 3 - እወ፡ እታ እሙን ሲሲጎስ፡ ንኣኻውን ክትድግፈን እልምነካ ኣሎኹ። ንሳተን ምስ ቅሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፈ ኻልኦት መዓይይተይን ምሳይ ብወንጌል ዝጸዐራ እየን።
4 - ብጐይታ ዂሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፡ ተሐጐሱ፡ እብል ኣሎኹ። 5 - እቲ ለውሃትኩም ኣብ ኲሉ ሰብ ይፈለጥ፡ እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ። 6 - ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። 7 - እቲ ኻብ ኲሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።
8 - ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ። 9 - ነቲ ኻባይ እተመሀርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ኣባይውን ዝርኤኹምዎን እዚ ግበርዎ እሞ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።
10 - ደጊምሲ ኽትሐስቡለይ ሓድሽ ህይወት ሕጂ ስለ ዝረኸብኩም፡ ብጐይታ ብዙሕ እሕጐስ ኣሎኹ፡ ዘይሰለጠኩም ደኣ ዀይኑ እምበር፡ ቀደም ከኣ ሐሲብኩም ኔርኩም። 11 - ኣነስ በቲ ዘሎኒ ይኣኽለኒ ምባል ተምሂረ እየ እሞ፡ ስኢነ ስለ ዘሎኹ ኣይኰንኩን እዚ ዝብሎ ዘሎኹ። 12 - ትሕት ምባል እፈልጥ፡ ሕልፍን ትርፍን እፈልጥ እየ። ጽጋብን ጥሜትን ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን፡ ኣብ ኲሉን ብዂሉን ልሙድ እዩ። 13 - በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዂሉ እኽእሎ እየ።
14 - ኣብቲ ጸበባይ ብምሕባርኩም ግና ጽቡቕ ገበርኩም። 15 - ኣቱም ሰብ ፊልጲ፡ በቲ ናይ ወንጌል መጀመርታ ኻብ መቄዶንያ ምስ ወጻእኩ፡ ብጀካኻትኩም ጥራይ ካብ ማሕበር ብናይ ምሃብን ንውሳድን ሓደ እኳ ምሳይ ከም ዘይሐበረ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 16 - ኣብ ተሰሎንቄውን ሓደ ጊዜን ካልኣይ ጊዜን ዜድልየኒ ሰዲድኩምለይ። 17 - ኣነስ እቲ ፍረ ንኣኻትኩም ኪበዝሓልኩም ኢለ እየ እምበር፡ ውህበትኩም ደልየ ኣይኰንኩን። 18 - ሕጂ ግና ኲሉ ኣሎኒ፡ ምስ ትርፉውን ኣሎኒ። እቲ ኻባኻትኩም ብኢድ ኤጳፍሮዲጦስ ዝመጸ ምዑዝ ሽታ፡ ስሙር ንኣምላኽ ዜሐጒስ መስዋእቲ፡ ምስ ተቐበልኩ ድማ፡ መሊኤ ኣሎኹ። 19 - ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ። 20 - ግናኸ ንኣምላኽናን ኣቦናን ንዘለኣለም ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
21 - ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ቅዱሳን ንነፍሲ ወከፎም ሰላም በልዎም። እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋትውን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 22 - ኲሎም እቶም ቅዱሳን፡ ምናዳ እቶም ካብ ቤት ቄሳር ዘበሉ፡ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
23 - ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።