ሃዋርያ ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኺጽሕፍ ከሎ ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ንዝክር (ፊል.1፡7፥13)። ብዙሓት ሊቃውንቲ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኸም ዝነበረ ዚግምቱ ስለ ዝኾኑ ኸኣ፡ እታ መልእኽቲ ብ 63 ዓ.ም. ኣቢላ እተጻሕፈት ትመስል። ገሊኦም ሊቃውንቲ ግና፤ ﷽ኣብ ኤፌሶን እዩ ተኣሲሩ ዝነበረ፡ ዚብሉ ኣለው። ጳውሎስ ብዙሕ ጊዜ ስለ እተኣስረ፡ ከምኡውን ኪኸውን ይኽእል እዩ (2ቆረ.11፡23)። ዝኾነ ኾይኑ ግና ኣብ ኤፌሶን ተኣሲሩ ኸሎ ዝጸሓፋ እንተኾነት ብ 54 ዓ.ም. ኣቢላ እተጻሕፈት ክትከውን ትኽእል እያ። እቲ ምኽንያት መጽሓፊ እዛ መልእኽቲ ዝኾነ ጉዳይ ከኣ፡ ኤጳፍሮዲጦስ ካብ ማሕበር ፊልጲ ንጳውሎስ ህያብ ስለ ዘምጽኣሉ (ፊል.4፡14-20) ምስጋና ኺህብ ስለ ዝደለየ እዩ።
ኣብ መንጎ ሃዋርያ ጳውሎስን ማሕበር ፊልጲን ፍሉይ ስምምዕን ፍቕርን ስለ ዝነበረ፡ እታ መልእኽቲ ብፍቕርን ሓጎስን እተመልኤት ኮይና ንረኽባ። ኤጳፍሮዲጦስ ግና ናብ ጳውሎስ ምስ ከደ ስለ ዝሓመመ እሞ፡ እቶም ኣመንቲ ስለ እተጨነቑ፡ ጳውሎስውን እንተ ተመልሰ ይሓይሽ ኢሉ ነታ መልእኽቲ ምስኡ ኣማሊኡ ይሰዶ (ፊል.2፡25-30)። ኤጳፍሮዲጦስ ንጳውሎስ ኣብ ማሕበር ፊልጲ ዘይምስምማዕ ተላዒሉ ከም ዝነበረ ስለ ዝነገሮ፡ እቲ ሃዋርያ ብሓንቲ ልብን ብሓደ ሓሳብን ኪሰማምዑ ይልምኖም (ፊል.1፡27፤ 2፡1-13፤ 4፡2)።
ክፍልታት መልእኽቲ ፊልጲ፤