ሃዋርያ ጳውሎስ በታ ቐዳመይቲ ናይ ምስባኽ ወንጌል መገሻኡ ናብ ኣንጾክያ ናይ ጵሲዲያን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ልስጥራን ናብ ደርቤን ከም ዝኸደ ነንብብ (ግብ.13፡14፥15፤ 14፡6)። ኩለን እዘን ከተማታት ከኣ ኣብታ ገላትያ እትብሃል ኣውራጃ ዚርከባ እየን። ጳውሎስ ከኣ ኣባታተን ወንጌል ሰቢኹ ናብ ሶርያ ተመልሰ። ድሕሪ ቁሩብ ጊዜ ግና ገለ ሰባት ናብ ገላትያ ኸይዶም ንስልጣንን ትምህርትን እቲ ሃዋርያ እናነቐፉ፤ ﷽እንተ ዘይተገዘርኩምን ሕጊ ሙሴ ኸኣ እንተ ዘይሓለኹምን ብክርስቶስ ምእማን ኣይኣክልን እዩ፡ ኢሎም ስለ ዝመሃሩ፡ ሰብ ገላትያ ኻብቲ ትምህርቲ ጳውሎስ ዘንቢሎን ነዚ ሓድሽ ትምህርቲ ኺቕበሉ ጀመሩ። ስለዚ ጳውሎስ ነዚ ወረ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ነዛ መልእኽቲ ጸሓፈሎም። እዛ መልእኽቲ እዚኣ ካብተን ጳውሎስ ዝጸሓፈን መልእኽታት እታ ቐዳመይቲ እያ፡ ኣብ ሃገር ሶርያ ኣብ ኣንጾክያ ኸኣ ብ 48 ወይ ብ 49 ዓ.ም. ኣቢላ ተጻሕፈት። ስለዚ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ፤ ﷽................ ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ ኣሎ፡ እናበለ ኣምሪሩ ይግስጾም (ገላ.1፡6፤ 5፡7)።
እቲ ቐንዲ ሓሳብ ናይታ መልእኽቲ፡ ﷽ብጸጋ ጥራይ፡ ብእምነት ጥራይ፡ ዚብል ክነሱ፡ ምድሓን ነፍሳት ናይ ሕጊ ተግባር ከይተወሰኾ ብእምነት ጥራይ ከም ዚርከብ ምምሃር እዩ።