ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48
1 - ንስኻ ኸኣ ንመሳፍንቲ እስራኤል መልቀስ ኣልቅሰሎም፡ በል ድማ፡
2 - ከመይ ኰን ኣዴኻ ኣንስተይቲ ኣንበሳ ነበረት።
ኣብ ማእከል ኣናብስ ተጋደመት፡
ኣብ ማእከል ሽደናት ኣናብስ ንዀራኲራ ኣዕበየት።
3 - ሓደ ኻብቶም ኰራኲር ኣዕበየት፡
ሽደን ኣንበሳ ኸኣ ዀነ፡
ምምንጣል ግዳይ ተማህረ፡ ሰብውን በልዔ።
4 - ህዝብታት ብዛዕባኡ ሰምዑ፡
ኣብ ጒድጓዶም ከኣ ተታሕዘ፡
ሳንቀ ኣፍንጫ ገይሮም ናብ ሃገር ግብጺ ወሰድዎ።
5 - ትጽቢታ ኸንቱ ምዃኑ ምስ ረኣየት፡
ተስፋ ኸኣ ምስ ቀበጸት፡
ካብ ኰራኲራ ሓደ ኻልእ ወሰደት፡ ሽደን ኣንበሳውን ገበረት።
6 - ኣብ ማእከል ኣናብስ ተመላለሰ፡
ሽደን ኣንበሳ ኸኣ ዀነ፡
ምምንጣል ግዳይ ተማህረ፡ ሰብውን በልዔ።
7 - ኣዳራሻቶም ገሰሰ፡
ከተማታቶም ኣዕነወ።
እር ኢሉ ምስ ጓዘመ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዂሉን ራዕራዕ በለ።
8 - ሽዑ ኻብቲ ኸባቢ ዘሎ ሃገራት ህዝብታት ኣኽተቱሉ፡
መርበቦም ዘርግሑሉ፡ ኣብ ጒድጓዶም ድማ ተጋሕዘ።
9 - ሳንቀ ገይሮም ኣብ ቈፎ ኣእተውዎ፡
ናብ ንጉስ ባቢሎን ድማ ወሰድዎ።
ድምጹ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ድሕርዚ ኸይስማዕ፡ ኣብ ጽኑዕ እምባ ኣቐመጥዎ።
10 - ኣዴኻ ኸማኻ ኣብ ጥቓ ማያት እተተኽለት ኦም ወይኒ ነበረት።
ብሳላ ብዝሒ ማያት እትጭብጭብ ሓረግ ፈራይት ኦም ወይኒ ዀነት።
11 - ንዘንጊ መንግስቲ ዚኸውን ድልዱል ጨንፈር ኣውጽኤት፡
ጒንዳ ኣብ ማእከል ጽቡቕ ኣቛጽል ነውሔ።
ነዋሕን ሓረግ ዝመልኣን ስለ ዝነበረት፡ እትርኤ ዀነት።
12 - ግናኸ ብቚጥዓ ተመንቈሰት፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ተደርበየት፡
ንፋስ ምብራቕ ድማ ፍሪኣ ኣንቀጸ።
ድልዱል ጨናፍራ ተሰብረን ነቐጸን፡ ሓዊውን በልዖ።
13 - ሕጂ ኣብ ምድረ በዳ፡ ኣብ ደረቅ ምድሪ ኣጻምእ ተተኺላ ኣላ።
14 - ካብ ጨናፍር ሓረጋ ሓዊ ወጸ፡
ፍሪኣ ኸኣ ሞዂ ኣበለ።
ዘንጊ ገዛኢ ዚኸውን ድልዱል ጨንፈር የብላን።
እዚኣ ልቕሶ እያ፡ ከም ድጒዓ ትድጓዕ።