ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48
1 - ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ብእግርኻ ደው በል እሞ ኽዛረበካ እየ፡ በለኒ። 2 - ኪዛረበኒ ኸሎ ኸኣ፡ መንፈስ ኣተወኒ፡ ብእግረይ ድማ ደው ኣበለኒ፡ ነቲ ዚዛረበኒውን ሰማዕክዎ። 3 - በለኒውን፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ናብ ደቂ እስራኤል፡ ናብቶም ካባይ ዝዐለዉ ዓለወኛታት ህዝብታት እልእከካ ኣሎኹ። ንሳቶምን ኣቦታቶምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ተጻሪሮምኒ ኣለዉ። 4 - ናብ እዞም ገጾም ዝተረረ፡ ልቦም ዝሐረነ ደቂ እሰደካ ኣሎኹ። ንስኻ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎም። 5 - ንሳቶም ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ እንተ ሰሚዖም እንተ ኣብዮም፡ ኣብ ማእከሎም ነብዪ ኸም ዝነበረ ኺፈልጡ እዮም። 6 - ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንእኦም ኣይትፍርሃዮም፡ ንቓላቶም ከኣ ኣይትፍርሃዮ፡ ምንም እኳ ምስ ኣምዔን እሾዂን እንተ ዀንካ፡ ኣብ ማእከል ዕንቅርቢታት ተቐሚጥካ ኽነስኻስ፡ ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ንቓላቶም ኣይትፍርሃዮ፡ ገጾምውን ኣየሰምብድካ። 7 - ዓለውቲ እዮም እሞ፡ እንተ ሰሚዖምኻ፡ እንት ኣብዮምኻ፡ ቃለይሲ ንገሮም ደኣ።
8 - ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፡ ዝብለካ ዘሎኹ ስማዕ። ከምታ ዓላዊት ቤት ዓላዊ ኣይትኹን፡ ኣፍልካ ኽፈት፡ እዚ ዝህበካ ዘሎኹ ድማ ብልዓዮ።9 - ጠመትኩ እሞ እንሆ፡ ኢድ ናባይ ኣቢላ ተዘርጊሓ፡ እንሆውን፡ ኣብኣ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ነበረት። 10 - ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ገንጸላ፡ ብውሽጣን ብግዳማን ተጽሒፍዋ ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ድጕዓን ብኽያትን ዋይዋይታን ተጽሒፍዋ ነበረ።