ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14
1- ዎ እስራኤል፡ ብኣበሳኻ ወዲእካ ኢኻ እሞ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ። 2- ምሳኻትኩም ቃላት ውሰዱ፡ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተመለሱ እሞ፡ ኩሉ ኣበሳና ይቕረ በለልና፡ ሰናይ ከአ ተቐበል፡ ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና ኸነቕርብ ኢና፡ በልዎ። 3- እቲ ዘኽታም ኣባኻ ምሕረት ይረክብ እዩ እሞ፡ ኣሶር ኣየድሕነናን፡ ኣብ ኣፍራስ ኣይንውጣሕን፡ ድሕርዚውን ንዕዮ ኣእዳውና ኣምላኽና ኣይክንብሎን ኢና። 4- ኩራይ ካብኡ ተመሊሱ እዩ እሞ፡ ኣነ ንጥልመቶም ከሕዊ፡ ኣነ ብልቢ ኸፍቅሮም እየ። 5- ኣነ ንእስራኤል ከም ኣውሊ እኾኖ፡ ንሱ ኸም ዕምበባ ይዕምብብ፡ ከም ሊባኖስ ከአ ሰረውሩ ይሰድድ። 6- ጨናፍሩ ይዝርጋሕ፡ ምጽባቑ ኸም ኣውሊ፡ መአዛኡ ድማ ከም ሊባኖስ ይኸውን። 7- እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ዚነብሩ ይምለሱ፡ ብስርናይ ይብርትዑ፡ ከም ተኽሊ ወይኒ ይዕምብቡ፡ መዘከርታኡ ኸም ወይኒ ሊባኖስ እዩ። 8- ዎ ኤፍሬም ደጊምከ ኣነ ምስ ጣኦታት እንታይ አሎኒ፡ ኣነ ሰማዕክዎ፡ ናብኡ ድማ ክጥምት እየ። ከም ዝለምዔ ጽሕዲ እየ፡ ፍሬኻ ኻባይ እዩ ዚመጽእ። 9- መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፡ ጻድቃን ይመላለስሉ፡ መፍረስቲ ግና ኣብኡ ይወድቁ እዮም እሞ፡ ነዚ ዜስተውዕሎስ ኣየናይ ጥበበኛ እዩ፡ ዚፈልጦኸ ኣይናይ ለባም እዩ፡