![]() |
![]() |
![]() |

GOOD NEWS! - ክርስቶስ ንኤርትራ ብምሉኡ ሓድሽ ኪዳን ብድምጺ ኣብዚ ዌብሳይት የእቲያቶ ኣላ። ስለዚ ኣብ ነፍስወከፍ ምዕራፍ እንዳኸድኩም በቲ ኣብኡ ዘሎ ፕለየር ጌርኩም ነታ ሞዕራፍ ብድምጺ ክትሰምዕዋ ትኽእሉ ኢኹም።
********
እዚ ሓድሽ ኪዳን ብድምጺ - ብራድዮ ሰላምና እዩ ተመሊኡ። ብምሉኡ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ሓንቲ ሲዲ ዘዳለውዎ ስለ ዘሎ፡ ክትገዝኡ ንትደልዩ ርኸቡና ክንልእከልኩም ንኽእል ኢና!********
ዕላማ ክርስቶስ ንኤርትራ ዓለምለኻዊ ኣገልግሎት ንኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ክርስትያናት ቃል ኣምላኽ ብመርበብ ሓበሬታ ንምስናቕ እዩ።
ሰብ በቲ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ዝኾነ ጎይታ የሱስ ብምእማን እምበር ኣባል ናይ ሓንቲ ቤተክርስትያን ብምዃን ምድሓን ኣይረክብን እዩ። ኩሉ ሰብ ሓጢኣተኛ ስለ ዝኾነ ንእግዚኣብሄር ኪፈልጦን ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኪለማመድን ኣይክእልን እዩ። ኣብ ሮሜ 3፡23-24 “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ’ውን ስኢኖም። በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ” ይብለና።
እምበኣር ንኣምላኽን ሰብን ዘራኽብ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። ብእኡ ጥራይ ኢና ንእግዚኣብሄር ክንፈልጦን ፍቕሩ ከኣ ክንለማመዶን እንኽእል። የሱስ ኣብ ክንዳና ሞተ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና። “ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ።” ሮሜ 5፡8።
የሱስውን ካብ ሞት ተንስኤ፡
“… ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ። ተቐብረ … ብሳልሰይቲ መዓልቲ’ውን ተንስኤ … ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእየ ድሕሪኡ … ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳብ ተራእየ።” 1ቆረ.15፡3-6።
እምበኣርከስ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ብሕቲ መድሓኒኡን ጐይትኡን ኪቕበሎ ይግባእ። ሽዑ ጥራይ እዩ ንፍቕሪ ኣምላኽ ኪለማመዶን ናይ ዘልኣለም ህይወት ኪህልዎን ዚኽእል።
“ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ኵሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።” ወንጌል ዮሃንስ 1፡12።
ንየሱስ ኣብ ልብና እንቕበሎ ድማ ብእምነት እዩ።
“ሓደ እኳ ከይምካሕሲ ካብ ግብሪ ኣይኮነን እሞ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም እዚ ከኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር ካባኻትኩም ኣይኰነን።” ኤፌሶን 2፡8-9።
ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ብእምነት ምስ ተቐበልናዮ፡ ካልኣይ ንውለድ።
“ብወዲ (ብየሱስ) ዚኣምን ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።” ወንጌል ዮሃንስ 3፡36
እምበኣርከስ ኩሉ ኣገልግሎት ናይዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ፡ ነዚ ጽቡቕ ወረ የሱስ ክርስቶስ ንምውራይ እሞ ኩሎም እቶም ዘይኣምኑ ኣሚኖም ክብቲ ዝመጽእ ቁጥዓ ኣምላኽ ንኽድሕኑ እዩ።
በዚ መሰረት ከኣ እቲ ናይ መጀመርያ ፕሮጀክትና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ብኮምፕዩተር ብምጽሓፍ፡ ከምኡውን ብድምጺ ዌብሳይት ኣዳሊክኻ ንኹሎም ትግርኛ ዝቛንቅኦም ክርስትያናት ንምግልጋል ንጅምር ኣሎና። እዚ ፕሮጀክት እዚ ልዕሊ ክልተ ዓመት ዝኸውን ግዜ ወሲዱ፡ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪን ጸሎትን ኣመንቲ ድማ፡ ሕጂ ናብ መፈጸምታ በጺሑ ይርከብ።
ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብዚ ዌብሳይት እዚ ኣትዮም ዘይተወድኡ መጽሓፍቲ ስለዘለዉ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ከምዝውድኡ ቃል ንኣቱ። እቶም ተወዲኦም ዘለዉ መጽሓፍቲ ድማ ኤዲቲን (Editing) ስለ ዘይተወድኤ፡ ጌጋታትውን ክርከብ ከም ዝኽእል እንዳፍለጥና፡ ክሳብ ኤዲቲንግ ዝውዳእ ንግዜኡ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ እንዳነጻጸርኩም ክትጥቀሙ ነዘኻኽር።
ንመጻኢ ኣዝዩ ሰፊሕ መዳባት ኣሎና። ኩሉኹም ኣመንቲ ብጸሎት ክትድግፉና በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንጽውዕ። ኣተኩሮ ዌብሳይትና ኣብ ቃል ኣምላኽን ትርጉሙን ዘተኮረ ክኸውን እዩ።
ጸጋን ሰላምን በረኸትን ናይቲ ፈጣሪናን፡ ኣምላኽናን፡ መድሓኒናን፡ መጀመርያን መወዳእታን፡ ንጉስ ነገስታት ዝኾነ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ኣይፈለኹም።