1 - ኣቱም ጐይተት፡ ንኣኻትኩምውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘሎኩም ፈሊጥኩምሲ፡ ንግዙኣትኩም ቅኑዕን ግቡእን ግበሩሎም።
2 - ጸሎት ኣዘውትሩ፡ ብእኡውን ብምስጋና ንቕሑ። 3፡4 - እቲ ብዛዕባኡ ተኣሲሩ ዘሎኹ ምስጢር ክርስቶስ ክንነግርሲ፡ ምዝራብ ኸም ዚግብኣኒ ምእንቲ ኽገልጾ፡ ኣምላኽ ነቲ ቓሉ ደገ ኪኸፍተልና ምእንታና ድማ ጸልዩ። 5 - ጊዜ እናዐደግኩም፡ ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ። 6 - ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዂሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን።
7 - ጥኪቆስ፡ እቲ ፍቁር ሓውን እሙን ኣገልጋልን ብጐይታ መዓይይተይን፡ ከመይ ኢለ ኸም ዘሎኹ፡ ኬፍልጠኩም እዩ። 8 - ብዛዕባ ህልዋትና ምእንቲ ኽትፈልጡን ልብኹምውን ኬህድእን እየ ንእኡ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ። 9 - ምስኡውን ነቲ ኻባኻትኩም ዝዀነ እሙንን ፍቁርን ሓውና ኦኔሲሞስ ሰዲደዮ ኣሎኹ። ንሳቶም ብናይ ነጀው ዘበለ ዂሉ ኺነግሩኹም እዮም።
10 - እቲ ምሳይ እተማረኸ ኣርስጠርኮስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፡ እቲ ብዛዕባኡ ትእዛዝ እተቐበልኩም ማርቆስ፡ ወዲ ሓው ኣቦኡ ንበርናባስ፡ ናባኻትኩም እንተ መጸ ኸኣ፡ ተቐበልዎ። 11 - ዮስጦስ ዚብሀል የሱስውን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምሳይ ዜገልግሉ ንምጽንናዕውን ዚዀኑኒ ዘለዉ ሰብ ግዝረት፡ እዚኣቶም ጥራይ እዮም። 12 - እቲ ሓደ ኻባኻትኩም ባርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ምሉኣትን ብዂሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ፡ ኲሉ ሳዕ ብጸሎቱ ዚጋደለልኩም ዘሎ ኤጳፍራስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። 13 - ንሱ ምእንታኹምን ንእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያን ኣብ ሂራጶሊስን ዘለዉን ብዙሕ ጻዕሪ ኸም ዘለዎ፡ እምስክረሉ ኣሎኹ። 14 - ሉቃስ፡ እቲ ፍቁር ሓኪምን ዴማስን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
15 - ነቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለዉ ኣሕዋትን ንኒምፋስን ነታ ኣብ ቤቱ ዘላ ማሕበርን ሰላም በልዎም። 16 - እዛ ደብዳበ እዚኣ ኣባኻትኩም ምስ ተነበት፡ ኣብ ማሕበር ሎዲቅያ ኸኣ ከም እትንበብ፡ ነታ ኻብ ሎዲቅያ እትመጽእ ንስኻትኩምውን ከም እተንብብዋ ግበሩ።
17 - ንኣርኪጶስ ድማ፡ ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ፡ በልዎ።
18 - እዚ ሰላምታ እዚ ብኢደይ፡ ብኢድ ጳውሎስ፡ እዩ። መቐውሔይ ዘክሩ። ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።