ምዕራፍ 1 2 3 4
መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሎሴ
ሃዋርያ ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ብኽልተ ምኽንያት እዩ ናብ ሰብ ቈሎሴ ዝጸሓፋ።
- ሓደ ኦነሲሞስ እተባህለ ናይ ፊልሞን ባርያ ዝነበረ በዓል ቈሎሴ፡ ናብ ቈሎሴ ይምለስ ስለ ዝነበረ፡ ምስቲ ምምላሱ ነታ ቤተ ክርስትያንውን ኪጽሕፈላ ስለ ዝደለየ ጸሓፋ (ፊሞ.10-12። ቈሎ.4፡7-9)።
- ኤጳፍራስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማሕበር ቈሎሴ ኣትዩ ዝነበረ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ነጊርዎ ስለ ዝነበረ፡ ጳውሎስ ናይ መጠንቀቒ መልእኽቲ ኺጽሕፈሎም ግቡእ ኮይኑ ስለ እተራእዮ፡ ኪጽሕፈሎም መደበ። እቲ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ተባሂሉ ዘሎ፡ ብርግጽ ኪፍለጥ እኳ እንተ ዘይተኻእለ፡ ካብ ትምህርቲ ኣይሁድን ትምህርቲ ፈላጣትን ተሓዋዊሱ ዝመጸ ይመስል (ቈሎ.2፡8፤ 16-22)። እዛ መልእኽቲ እዚኣ፡ በቲ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ዝነበረ ጊዜ ማለት ብ 62 ዓ.ም. ኣቢላ ተጻሕፈት (ግብ.28፡30-31። ቆሎ.4፡18)።
ክፍልታት እታ መልእኽቲ፤
- ሃዋርያ ምእንቲ ማሕበር ቈሎሴ ዜቕርቦ ምስጋናን ጸሎትን (ቈሎ.1፡1-14)
- ክርስቶስ ናይ ኩሉ ጎይታን መድሓንን ከም ዝኾነ (ቈሎ.1፡15-23)።
- ብዛዕባ እታ ምእንቲ ኣመንቲ ዘላቶ ዓባይ ተስፋ (ቈሎ.1፡24-2፡7)።
- ካብ ትምህርቲ ሓሶት ምጥንቃቕ (ቈሎ.2፡8-3፡4)።
- ብዛዕባ ክርስትያናዊ ንብረት (ቈሎ.3፡5-4፡6)።
- ብዛዕባ እቶም ምስኡ ሓቢሮም ዜገልግሉ ሰባትን፡ ቃል ሰላምታን (ቈሎ.4፡7-18)።