ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24
1 - ኰነ ድማ፡ በቲ ቕነ እቲ ዂሉ ዓለም ኪጸሐፍ፡ ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ። 2 - እዚኣ እታ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ ዝዀንት ቀዳመይቲ ጽሐፈት እያ። 3 - ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ኪጸሐፍ፡ ኲሉ ነናብ ዓዱ ኸደ። 4፡5 - ዮሴፍ ድማ፡ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ ኻብ ዓዲ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ሕጽይቱ ናብ ቤት-ልሄም እትብሀል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ ኺጸሐፍ ደየበ። 6 - ኰነ ድማ፡ ኣብኡ ኸለዉ፡ ጊዜ ሕርሳ በጽሔ። 7 - በዂሪ ወዳ ወለደት ብዓለባውን ጠቕለለቶ፡ ኣብቲ ማሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ።
8 - ኣብታ ምድሪ እቲኣ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሐደሩ ጓሶት ነበሩ። 9 - መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓኦም ደው በለ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሄ፡ ብዙሕ ፍርሃት ከኣ ፈርሁ። 10፡11 - እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዂሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። 12 - ምልክት ድማእዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። 13፡14 - ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፡ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ።
15 - ኰነ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ኻባታቶም ናብ ሰማይ ምስ ደየቡ፡ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፡ እዚ እግዚኣብሄር ዝገለጸልና ኽዉን ነገር ክንርኢ ንዑናይ፡ ናብ ቤት-ልሄም ንኺድ፡ ተባሃሀሉ። 16 - ቀልጢፎም ከኣ ኸዱ፡ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ሕጻን ከኣ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱን ረኸቡ። 17 - እዚ ምስ ረኣዩ፡ ብዛዕባ እቲ ሕጻን እተነግረሎም ነገር ኣውረዩ። 18 - ዝሰምዑ ዘበሉ ዂሎም ከኣ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ። 19 - ማርያም ግና ነዚ ነገርዚ ዂሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሐስቦን ነበረት። 20 - እቶም ጓሶት ድማ ከምቲ እተባህለሎም፡ በቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ኲሉ ንኣምላኽ እናኽበሩን እናወደሱን ተመልሱ።
21 - ኪገዝርዎ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ መልኣ ድማ፡ ከምቲ መልኣኽ ኣብ ከርሲ ኸይተሀንጸ ኸሎ ዝሰመዮ፡ ስሙ የሱስ ኢሎም ሰመይዎ።
22-24 - ከምቲ ሕጊ ሙሴ፡ መዓልትታት ምንጻሆም ምስ መልኣ፡ -ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር፡ ማሕጸን ወላዲቱ ዝኸፈተ ዘበለ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይብሀል፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ -ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር እተባህለ ኸኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይስ ክልተ ጫጩት ርግቢ መስዋእቲ ምእንቲ ኺህቡ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኬቚምዎ ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ። 25 - እንሆ ድማ፡ ኣብ የሩሳሌም ስምኦን ዚብሀል ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ምጽንናዕ እስራኤልውን ዚጽበ ነበረ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነበሮ። 26 - ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ከይረኣዮ፡ ሞት ከም ዘይርኢ ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጹሉ ነበረ። 27 - ብመንፈስ ከኣ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ነቲ የሱስ ሕጻን፡ ወለዱ ኸም ልማድ ሕጊ ኺገብሩሉ ምስ ኣእተውዎ፡ 28 - ንሱ ድማ ኣብ ኢዱ ሐቘፎ፡ ንኣምላኽውን ኣመስገነ እሞ፡ 29-32 - ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ። 33 - ዮሴፍን ኣዲኡን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ እተባህለ ነገር ተገረሙ። 34 - ስምኦን ከኣ ባረኾም፡ ነዲኡ ማርያም ድማ፡ እንሆ፡ እዚ ንብዙሓት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን ንትእምርቲ ምጽራርውን ንቡር እዩ። 35 - ንኣኺ ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ኺገሀድ፡ ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ፡ በላ።
36 - ካብ ወሰን ኣሴር ድማ ሃና፡ ጓል ፈኑኤል፡ ንሳ ኣዝያ ዝኣረገት ነብዪት ንበርት። -ካብ ድንግልናኣ ሒዛ ምስ ሰብኣያ ሾብዓተ ዓመት ገበረት። 37 - ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት እያ። -ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት፡ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። 38 - ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ። ነቶም ምድሓን የሩሳሌም ዚጽበዩ ዂሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም። 39 - ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኲሉ ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመልሱ።
40 - እቲ ሕጻን ዐበየ፡ ብመንፈስ ድማ ደልደለ፡ ጥበብ ከኣ መልኦ፡ ጸጋ ኣምላኽውን ኣብኡ ነበረ።
41 - እቶም ወለዱ ንበዓል ፋስጋ በብዓመት ናብ የሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ። 42 - ንሱ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ፡ ከምቲ ስርዓት በዓል ናይ የሩሳሌም ደየቡ። 43 - እተን መዓልትታት ኣእኪሎም ኪምለሱ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ፡ እቲ ቘልዓ፡ ኣብ የሩሳሌም ተረፈ። ዮሴፍን ኣዲኡን ግና እዚ ኣይፈለጡን። 44 - ምስ ሰብ መገዲ ዘሎ መሲልዎም፡ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ኸዱ፡ ኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ዚፈልጥዎምን ከኣ ደለይዎ። 45 - ምስ ሰኣንዎ ኸኣ፡ ኪደልይዎ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 46 - ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሐተቶምን ረኸብዎ። 47 - ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን ተገረሙ። 48 - ምስ ረኣይዎ ድማ ሰምበዱ። ኣዲኡ ኸኣ፡ በል ወደይ፡ ስለምንታይከ ኸምዚ ገበርካና፧ እንሆ፡ ኣቦኻን ኣነን እናጉሄና ንደልየካ ኔርና፡ በለቶ። 49 - ንሱ ኸኣ፡ ንምንታይሞ እትደልዩኒ፧ ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ በሎም። 50 - ንሳቶም ግና ነዚ ዝበሎም ዘረባ ኣየስተውዐልዎን። 51 - ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞምውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዂሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።
52 - የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቚመትን ብጸጋን ዐበየ።