ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24
1 - በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን እቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፡ ካልኦትውን ምሳታተን ኣንጊሄን ናብቲ መቓብር መጻ። 2 - እቲ እምኒ ኸኣ ካብቲ መቓብር ተገልቢጡ ረኸባኦ። 3 - ኣብኡ ኣትየን ከኣ ስጋ ጐይታና የሱስ ኣይረኸባን። 4 - ኰነ ድማ፡ ብዛዕባዚ ኺግረማ ኸለዋ፡ እንሆ፡ ብርቕርቕ ዚብል ክዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኤን ደው በሉ። 5 - ፈሪሄን ገጸን ናብ ምድሪ ምስ ኣድነና ኸኣ፡ ንሳቶም፡ ንምንታይከ ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልያኦ ኣሎኽን፧ 6 ፡ 7 - ንሱስ ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። ነቲ ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪውሀብን ኪስቀልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራኦ፡ በልወን።
8 - ነቲ ዘረባኡ ኸኣ ዘከራኦ። 9 - ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ፡ እዚ ዂሉ ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ካልኦት ኲሎምን ነገራኦም። 10 - እተን እዚ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ዮሃናን ማርያም ኣደ ያእቆብን ምሳታተንውን ካልኦት ኣንስትን እየን። 11 - እዚ ዘረባዚ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ኣይኣመንወንን። 12 - ጴጥሮስ ግና ተንሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ። ድንን እንተ በለ ኸኣ፡ እቲ መግነዝ ጥራይ ተነቢሩ ረኣየ። በቲ ዝዀነ ብልቡ እናተገረመውን ናብ ቤቱ ተመልሰ።
13 - እንሆ ኸኣ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽልተ ኻባታቶም ካብ የሩሳሌም ስሳ እስታድዮስ ዝምርሓቓ ኤማሁስ ናብ እትብሀል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ። 14 - ንሳቶም ከኣ በቲ ዝዀነ ዂሉ ነገር ንሓድሕዶም ይዛራረቡ ነበሩ። 15 - ኰነ ድማ፡ ኪዛራረቡን ኪማራመሩን ከለዉ፡ የሱስ ባዕሉ ቐሪቡ ምሳታቶም ከደ። 16 - ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተሰዊረን ነበራ። 17 - ንሱ ድማ፡ እዚ፡ እናኸድኩምን እናጐሄኹምን ንሓድሕድኩም እትዛራረብዎ ዘሎኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧ በሎም። 18 - እቲ ሓደ ኻብኦም ቀለዮጳ ዝስሙ፡ በዘን መዓልትታት እዚኣተን ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥሲ፡ ንስኻ በይንኻዶ ኣብኣ ጋሻ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። 19 - ንሱ ኸኣ፡ እንታይ እዩ፧ በሎም። ንሳቶም በልዎ፡ እዚ ናይ የሱስ ናዝራዊ ነገር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኲሉ ህዝብን ብግብርን ቃልን ከኣሊ ነብዪ ዝነበረ ሰብኣይ፡ 20 - ሊቃውንቲ ኻህናትናን ዓበይትናን ንፍርዲ ሞት ኣሕሊፎም ከም ዝሀብዎን ከም ዝሰቐልዎን፡ 21 - ንሕና ግና፡ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ እዩ፡ ኢልና ተስፋ ንገብር ኔርና። ምስናይ እዚ ዂሉ ኸኣ እዚ ኻብ ዚኸውን ሎሚ ሳልሰይቲ መዓልቲ እያ። 22 - ግናኸ ኻባታትና ኣንስቲ ናብ መቓብር ኣንጊሄን ነበራ እሞ ኣስተንከራና። 23 - ስጋኡ ምስ ሰኣና ኸኣ፡ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን ራእይ መላእኽቲ ኸም ዝረኣያ፡ መጺኤን ነገራና። 24 - ካባና ገለ ሰባት ናብ መቓብር ከዱ፡ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ዀይኑ ረኸቡ፡ ንእኡ ግና ኣይረኣይዎን። 25 - ንሱ ድማ፡ ኣቱም፡ ነብያት ብተዛረብዎ ዂሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዐያሱ፡ 26 - ክርስቶስ እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ኺጸግብ እሞ ናብ ክብረቱ ኺኣቱ ናይ ግዲ ደይኰነን፧ በሎም። 27 - ካብ ሙሴን ኲሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኲሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጒመሎም ጀመረ። 28 - ናብታ ዚኸድዋ ዘለዉ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸኣ፡ ከም ዚሐልፍ መሰለ። 29 - ንሳቶም ግና፡ መስዩ እዩ፡ ጸሓይውን ዐሪባ እያ እሞ፡ ምሳና ሕደር፡ ኢሎም ተጋደልዎ። ንሱ ኸኣ ምሳታቶም ኪሐድር ኣተወ። 30 - ኰነ ድማ፡ ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ባረኸ ቈሪሱውን ሀቦም። 31 - ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ ኣለለይዎ፡ ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ። 32 - ንሓድሕዶም ከኣ፡ እቲ ኣብ መኣዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጒመልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፧ ተባሃህሉ። 33 - በታ ሰዓት እቲኣ ተላዒሎም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉን ከኣ ተኣኪቦም ረኸብዎም። 34 - ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን እኳ ተራእይዎ፡ በሉ። 35 - እቶም ካልኦት ድማ፡ እቲ ኣብ መገዲ ዝዀነን እንጌራ ምስ ቈረሰ ኸኣ ከመይ ከም ዘለለይዎን፡ ነገርዎም።
36 - እዚ ኺዛራረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። 37 - ንሳቶም ድማ መንፈስ ዝረኣዩ መሲልዎም፡ ፈሪሆም ሰምበዱ። 38 - ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ኴንኩም ኢኹም እትስምብዱ፡ ከምዚ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዐል፧ 39 - ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ። ከምዚ ንኣይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመንፈስሲ ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፡ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ፡ በሎም። 40 - እዚ ኢሉ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም። 41 - ንሳቶም ከኣ ተገሪሞም፡ ብሓጐሶም ምኽንያት ገና ምእማን ሰለ ዝሰኣኑ፡ ሱ፡ ገለ ዚብላዕዶ ኣብዚ ኣሎኹም፧ በሎም። 42 - ንሳቶም ከኣ ምቃል ጥቡስ ዓሳን ጐጎ መዓርን ሀብዎ። 43 - ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚኦም በልዔ።
44 - ንሱ ድማ፡ እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዂሉ ኺፍጸም ይግብኦ እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ፡ በሎም። 45 - ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም እሞ፡ 46 - ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምውታት ኪትንስእ፡ 47 - ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ እዩ። 48 - በዚ ንስኻትኩም መስክር ኢኹም። 49 - እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ የሩሳሌም ጽንሑ፡ በሎም።
50 - ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም። 51- ኰነ ድማ፡ ኪባርኾም ከሎ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይውን ዐረገ። 52 - ንሳቶም ከኣ ሰገዱሉ፡ ብብዙሕ ሓጐስውን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 53 - ንኣምላኽ እናወደሱ እናኣመስገኑን ከኣ ኲሉ ሳዕ ኣብ ቤት መቕደስ ይነብሩ ነበሩ።