ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16
1 - ሰንበት ምስ ሐለፈት፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ማርያም ኣደ ያእቆብን ሰሎሜን ከይደን ኪለኽያኦ ቕዲት ዐደጋ። 2 - ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ፡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ፡ ናብ መቓብር መጻ። 3 - ንሓድሕደን ከኣ፡ እቲ እምንስ ካብቲ ኣፍ መቓብር መን ኪግልጠልና እዩ፧ ተባሃሀላ። 4 - እቲ እምኒ ኣዝዩ ገዚፍ ነበራ እሞ፡ ንላዕሊ ገጸን እንተ ጠመታ፡ ተገልቢጡ ረኣያ። 5 - ናብ መቓብር ኣትየን፡ ጻዕዳ ኽዳን እተኸድነ በጺ ኣብ የማን ተቐሚጡ ረኣያ፡ ሰምበዳ ኸኣ። 6 - ንሱ ድማ፡ ኣይትሰምብዳ፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቕለ የሱስ ናዝራዊ ትደልያ ኣሎኽን። ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። እታ ኣብኣ ዘንበርዎ ቦታ፡ እንሃ። 7 - ኪዳ ደኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱን ጴጥሮስን፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፡ ከምታ ዝበለኩም ከኣ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ ኢልክን ንገራኦም፡ በለን። 8 - ምንቅጥቃጥን ስምባድን ሒዝወን ነበረ እሞ፡ ካብ መቓብር ወጺኤን ሀደማ። ፈሪሄን ስለ ዝነበራ ኸኣ፡ ንሓደ እኳ ኣይነገራን።
9 - በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ ምስ ተንስኤ፡ ነታ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዘውጽኣላ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ቅድም ተራእያ። 10 - ንሳ ድማ ከይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ኪበኽዩን ኪጒህዩን ከለዉ፡ ነገረቶም። 11 - ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ህያው ምዃኑ፡ ንእኣውን ከም እተራእያ ምስ ሰምዑ፡ ኣይኣመኑን።
12 - ድሕርዚ ንኽልተ ኻባታቶም፡ ናብ ሃገረ ሰብ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣብ መገዲ ብኻልእ መልክዕ ተጋህደሎም። 13 - ንሳቶም ከኣ ከይዶም ነቶም ካልኦት ነገርዎም፡ ንኣታቶምውን ኣይኣመንዎምን።
14 - ድሕሪኡ ነቶም ዓሰርተው ሓደ፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ተጋህደ፡ ነቶም ተንሲኡ ዝረኣይዎ ኣይኣመንዎምን እዮም እሞ፡ ስለቲ ዘይምእማኖምን ትሪ ልቦምን ከኣ ዘለፎም። 15 - በሎም ድማ፡ ናብ ኲላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ። 16 - ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዂነን እዩ። 17 - ነቶም ዚኣምኑውን እዚ ተኣምራት እዚ ኺስዕቦም እዩ፡ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ፡ ብሓድሽ ልሳን ከኣ ኪዛረቡ፡ 18 - ኣትማን ኪሕዙ እዮም፡ ዚቐትል እንተ ሰተዩ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪጐድኦምን እዩ፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ኬንብሩ ንሳቶምውን ኪሐውዩ እዮም።
19 - ጐይታና የሱስ ምስ ተዛረቦም፡ ናብ ሰማይ ዐረገ፡ ኣብ የማን ኣምላኽውን ተቐመጠ። 20 - ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኲሉ ሰበኹ። ጐይታ ምሳታቶም ይገብር፡ ነቲ ቓልውን ብዚስዕብ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ።