ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16
1 - ንሱ ድማ፡ ካብዞም ኣብዚ ደው ኢሎም ዘለዉ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ ኽትመጽእ ከላ ኽሳዕ ዚርእይዋ፡ ሞት ዘይጥዕሙ ሓያሎ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
2 - ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ኸኣ የሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ወሲዱ፡ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ተለወጠ። 3 - ክዳኑ ድማ በርሄ፡ ኣብ ምድሪ ሓጻቢ ኸምኡ ገይሩ ኼጻዕዱ ዘይኽእል፡ ኣዝዩ ጻዕደወ። 4 - ኤልያስን ሙሴን ድማ ተራእይዎም፡ ንሳቶም ምስ የሱስ ይዛራረቡ ነበሩ። 5 - ጴጥሮስ ከኣ ንየሱስ መለሱ፡ መምህር፡ ኣብዚ ምንባር ንኣና ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደ ኸኣ ንኤልያስ፡ በሎ። 6 - ሰምቢዶም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዚብሎ ኣይፈልጦን ነበረ። 7 - ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ካብቲ ደበና ኸኣ፡ እዚ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። 8 - ብኡብኡ ግልጽ ግልጽ ኢሎም እንተ ጠመቱ ኸኣ፡ ብዘይ የሱስ በይኑ፡ ምሳታቶም ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።
9 - ካብ ከረን ኪወርዱ ኸለዉ ድማ፡ ወዲ ሰብ ካብ ምውታት ምስ ተንስኤ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ዝረኣይዎ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም። 10 - ነቲ ቓሉ ኸኣ ሐዝዎ፡ ንሓድሕዶምውን፡ ካብ ምውታት ምትንሳእሲ እንታይ ኰን እዩ፧ ኢሎም ተማራመሩ። 11 - ንሳቶም ድማ፡ ከመይ ደኣ ጸሓፍቲ፡ ኤልያስ ቅድም ኪመጽእ ይግባእ፡ ዚብሉ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 12 - ንሱ ኸኣ፡ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንዂሉ ኸኣ የቕንዕ። ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ኸመይተጽሒፉ ኣሎ፧ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብን ኪነዐቕን እዩ። 13 - ኣነ ግና፡ ኤልያስ መጸ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ ድማ፡ ዝደለዩ ዘበለ ገበረዎ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።
14 - ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ መጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢልዎም፡ ጸሓፍቲውን ኪካራኸርዎም ከለዉ ረኣየ። 15 - ሽዑ እቶም ህዝቢ ምስ ረኣይዎ፡ ሰምበዱ፡ ናብኡ ጐይዮም ከኣ ሰላም በልዎ። 16 - ንጻሓፍቲ ድማ፡ ብዛዕባ እንታይ ትካራኸርዎም ኣሎኹም፧ ኢሉ ሐተቶም። 17 - ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኸኣ፡ መምህር፡ ንወደይ ዘይዛረብ መንፈስ ሒዝዎስ ናባኻ ኣምጺኤዮ ኣሎኹ፡ 18 - ኣብ ዝሐዞ ድማ የምበድብዶ፡ ንሱ ኸኣ ይዐፍር፡ ኣስናኑ ይሕርቅም ይነቅጽውን። ንደቀ መዛሙርትኻ ድማ ኬውጽእዎ ነጊረዮምሲ፡ ንሳቶም ግና ኣይከኣሉን፡ ኢሉ መለሰሉ። 19 - ንሱውን፡ ኣታ ዘይእሙን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፧ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፧ ናባይ ኣምጽእዎ፡ ኢሉ መለሰ። 20 - ናብኡ ድማ ኣምጽእዎ። ምስ ረኣዮ፡ ሽዑ እቲ መንፈስ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ናብ ምድሪ ወዲቑ ኣንገርገረ ዐፈረ ኸኣ። 21 - የሱስ ድማ ነቦኡ፡ እዚ ኻብ ዚሕዞ ኽንደይ ዘመኑ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ካብ ንእስነቱ፡ 22 - ኬጥፍኦ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓውን ኣብ ማይን ደርብይዎ። ግለ ትኽእል እንተ ኼንካ ግና፡ ደንግጸልናን ርድኣናን፡ በሎ። 23 - የሱስ ከኣ፡ እትኽእል እንተ ኼንካ፡ ትብል ኣሎኻ። ንዚኣምን ኲሉ ይክኣል እዩ፡ በሎ። 24 - ብኡብኡ ኣቦ እቲ ቘልዓ ዓው ኢሉ፡ ኣእምን፡ ንዘይምእማነይ ደግፎ፡ በለ። 25 - የሱስ እቶም ሰብ ናብኡ ኺጐዩ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ርኹስ መንፈስ፡ ኣታ ዘይዛረብ ጸማም መንፈስ፡ እእዝዘካ ኣሎኹ፡ ካብኡ ውጻእ ተመሊስካውን ኣይትእተዎ፡ ኢሉ ገንሖ። 26 - ገዐረ ብዙሕ ፈንጠርጠር ኣቢልዎ ኸኣ ወጸ፡ ብዙሓት ሞይቱ ኽሳኦ ዚብሉ ድማ፡ ከም ሬሳ ዀነ። 27 - የሱስ ግና ብኢዱ ሒዙ ኣተንስኦ እሞ ተንስኤ። 28 - ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ ከመይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ ኢሎም ሓተትዎ። 29 - ንሱውን፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎትን ብጾምን ኪወጽእ ኣይክእልን እዩ፡ በሎም።
30 - ካብኡ ወጺኦም ብገሊላ ሐለፉ። ሓደ እኳ እዚ ኺፈልጥ ኣይፈተወን። 31 - ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ይውሀብ ኣሎ፡ ኪቐትልዎ ድማ እዮም፡ ምስ ተቐትለ ኸኣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኺትንስእ እዩ፡ በሎም። 32 - ንሳቶም ግና ነዚ ነገርዚ ኣየስተውዐልዎን፡ ከይሐትዎ ኸኣ ፈርሁ።
33 - ኣብ ቅፍርናሆም በጽሔ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ ኸኣ፡ ኣብ መገዲ እትዛራረቡሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶም። 34 - ንሳቶም ከኣ ኣብ መገዲ ንሓድሕዶም፡ መን ኰን ይበልጽ፧ ይባሃሃሉ ነበሩ እሞ፡ ኣጽቀጡ። 35 - ምስ ተቐመጠ ድማ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ጸዊዑ፡ እቲ ቕድሚት ኪኸውን ዚደሊ ድሕሪ ዂሉን ግዙእ ኲሉን ይኹን፡ በሎም። 36 - ቈልዓ ወሲዱ ድማ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ፡ ሐቝፍዎ ኸኣ፡ 37 - ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ናእሽቱ ንሓደ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ንኣይ ኣይኰነን ዚቕበል፡ በሎም።
38 - ዮሃንስ ከኣ፡ መምህር፡ ሓደ ዘይስዕበና፡ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ ርኢናዮስ፡ ንሱ ስለ ዘይሰዐበና ኸሊእናዮ፡ በሎ። 39 - የሱስ ከኣ በለ፡ ኣይትኽልእዎ። ብስመይ ሓይሊ ዚገብር እሞ ብኡብኡ ሕሱም ኪዛረበለይ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። 40 - ዘይበኣሰና ዘበለ ዂሉ ምሳና እዩ። 41 - ናይ ክርስቶስ ስለ ዝዀንኩም፡ ጣሳ ማይ ዝሑል ብስመይ ዜስትየኩም ዘበለ፡ ዓስቡ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 42 - ነቲ ኻብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ ኺጥሕል ምሔሾ ነይሩ።
43፡44 - ኢድካ እንተ ኣስሐተትካ፡ ቊረጻ። ክልተ ኢድ ኣልዩካ፡ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ቊሩጽ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። 45፡46 - እግርኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ቊረጻ። ክልተ እግሪ ኣልዩካ፡ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ካብ እትድርበስ፡ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። 47፡48 - ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ኣንቊራ። ክልተ ዓይኒ ኣልዩካ፡ ናብቲ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ዘይጠፍእ ናብሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ነቛር ኴንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሔሸኻ። 49 - ነፍሲ ወከፍ ብሓዊ ይምቅር እዩ እሞ፡ ኲሉ መስዋእቲ ድማ ብጨው እዩ ዚምቅር። 50 - ጨው ጽቡቕ እይ። እቲ ጨው መቐሬቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ተምቅርዎ፡ ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሀሉኹም፡ ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ።