ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16
ጸሓፊ እዚ ወንጌል እዚ፡ እቲ ብሮማይስጢ ማርቆስ እተባህለ ዮሃንስ እዩ (ግብ.12፡12፥25፤ 15፡37)። እቲ ቕድም እተጻሕፈ ወንጌል፡ ናይ ማርቆስ ወንጌል ከይኮነ ኣይተርፍን። እቶም ቀዳሞት ኣቦታት ቤተክርስትያን፡ ወንጌል ማርቆስ ብ60ዓ.ም. ኣቢሉ ኣብ ሮሜ ከም እተጻሕፈ ይመስል ይብሉ። ወንጌል ማርቆስ ካብቶም ካልኦት ወንጌላት ዝሓጸረ እዩ፡ ምኽንያቱ ኸኣ ብዛዕባ ልደት የሱስ ከይጸሓፈን ነቲ ትምህርቲ ጎይታ ኸኣ ኣስፊሑ ኸይገለጸን ነቲ ግብሪ ተኣምራት የሱስ ጥራይ ብሰፊሑ ዘዘንቱ ስለ ዝኾነ እዩ። ማርቆስ ነቲ ወንጌሉ ንሮማውያን ስለ ዝጸሓፎ፡ ካብ ብ.ኪ. ኣብዚሑ ኣይጠቐሰን። ነቶም ብጊዜ ማርቆስ ገዛእቲ ዓለም ዝነበሩ ሮማውያን፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ምእንቲ ከእምኖም ኢሉ እዩ ነዚ ወንጌሉ ዝጸሓፈ። ኣብ መወዳእታ እቲ ወንጌሉ ኸኣ፡ ሓደ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ ከመይ ገይሩ ብየሱስ ከም ዝኣመነ የዘንቱ (ማር.15፡39)። ማርቆስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ብመንፈስ ወዱ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሓት መምህራን፤ ﷽ወንጌል ማርቆስ፡ ጴጥሮስ ንማርቆስ ዘስተምሃሮ ወንጌል እዩ ይብሉ።
ክፍልታት ወንጌል ማርቆስ፤