ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28
1 - ኰነ ድማ ፡ የሱስ እዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ ። ካብ ገሊላ ነቒሉ ፡ ብስግር ዮርዳኖስ ኣቢሉ ናብ ወሰን ይሁዳ ኸደ። 2 - ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣሕወዮም። 3 - ፈሪሳውያን ድማ ፡ ሰብኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ፡ ተፈቒዱሉ እዩ ? ኢሎም ኪፍትንዎ ናብኡ መጹ። 4 - መሊሱ በሎም፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ገጠሮም ፡ 5 - ድማ ፡ ምእንቲዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን ? 6 - ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር ፡ ክልተ ኣይኰኑን ። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ ፡ ሰብ ኣይፍለዮ ። 7 - ንሳቶም ፡ ስለምንታይ ድኣ ሙሴ ። ጽሕፈት መፍትሒኣ ሂቦም ፡ ኪፈትሕዋ አዘዘ ? በልዎ ። 8 - ንሱ ፡ ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም፡ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን ፡ በሎም።
9- ኣነ ግና ፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ ፡እቲ ፍትሕቲ ዜእቱውን ይዝሙ ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 10 - እቶም ደቀ መዛሙርቱ ፡ ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ ፡ ምትእትታው ጽቡቕ ኣይኰነን ፡ በልዎ ። 11 - ንሱ ግና በሎም ፡እዚ ነገርዚ ፡ ብዘይ ነቶም እተዋህቦም፡ ንዂሉስ ኪቕበሎ ኣይኰነሉን ። 12 - ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወልዱ አለዉ ፡ ሰባት ዝሰለብዎም ስሉባትውን ኣለዉ ፡ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን አለዉ እሞ ፡ ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ።
13 - ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኺጽልየሎም ፡ ቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ ፡እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ገንሕዎም ። 14 - የሱስ ግና ፤ መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ ፡ ሕደጉ ፡ ቈልዑ ናባይ ንምምጻእ ኣይትኸልክልዎም ፡ በለ። 15 - ኢዱ ኣንቢሩሎም ከኣ፡ ካብኡ ኸደ።
16 - እንሆ፡ ሓደ ናብኡ ቐሪቡ ፡ ዎ መምህር ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብሲ ፡ እንታይ ጽቡቕ ግብሪ እግበር ? በለ ። 17 - ንሱ ኸኣ በሎ፡ ንምንታይ ብዛዕባ ጽቡቕ ትሐተኒ ኣሎኻ ? እቲ ጽቡቕሲ ሓደ እዩ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሌኻ ግና ፡ እተን ትእዛዛት ሐሉ ። 18 - ንሱ ፡ ኣየኖት ? በሎ። የሱስ ከኣ ፡ እኒ ኣይትቕተል ፡ ኣይትዘሙ ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር። 19 - ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር ፡ ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ፍቶ ፡ በሎ ። 20 - እቲ ጐበዝ ፡ እዚ ዅሉ ኻብ ንእስነተይ ሒዘ እሕልዎ ኣሎኹ ፡ እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ ዘሎ ? በሎ። 21 - የሱስ ከኣ ፡ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስ ፡ ኪድ ፡ ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ፡ ንዓ ሰዐበኒ ፡ በሎ ። 22 - እቲ ጐበዝ ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ ዘረባኡ ምስ ሰምዔ ፡ እናጐሀየ ኸደ።
23 - የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ ምእታው ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ጭንቂ ምዃኑ ብሓቂ እብለኩም አለኹ። 24 - ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ። 25 - እቶም ደቀ መዛሙርቲ እዚ ምስ ሰምዑ ፡ ንመን ደኣ ዀን ኪድሕን ይከኣሎ ? እናበሉ ብዙሕ ተገረሙ ። 26 - የሱስ ጠመቶም፡ እዚ ንሰብ ኣይከአሎን ፡ ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ ፡ በሎም ። 27 - ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ ፡ እንሆ ፡ ንሕና ዂሉ ሐዲግና ሰዐብናካ ። እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና? በሎ። 28 - የሱስ በሎም ፤ ንስኻትኩም ዝሰዐብኩምኒ ፡ ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ ጊዜ ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋን ተቐሚጥኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 29 - ስለ ስመይ ኢሉ ፡ ኣባይቲ ዀነ ፡ ወይስ ኣሕዋት ፡ ወይ ኣሓት ፡ ወይ ኣቦ ፡ ወይ ኣደ ፡ ወይ ሰበይቲ ወይ ውሉድ ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ ፡ ሚእቲ ኻዕበት ኪረክብ ናይ ዘልኣለም ህይወትውን ኪወርስ እዩ። 30 - ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት ፡ ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም።