ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28
1 - ናብ ጃልባ ኣትዩ ተሳገረ፡ ናብ ዓዱውን መጸ። 2 - እንሆ ኸኣ፡ መጸጒዕ ሰብኣይ ብዓራት ጾይሮም ናብኡ ኣምጽእዎ። የሱስ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጒዕ፡ ወደየ፡ ኣጆኻ፡ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ፡ በሎ። 3 - እንሆ ኸኣ፡ ሓያሎ ኻብቶም ጸሓፍቲ ብልቦም፡ እዚ ይጻረፍ ኣሎ፡ በሉ። 4 - የሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ በለ፡ ንምንታይ ብልብኹም ክፉእ ትሐስቡ ኣሎኹም፧ 5 - ኣየናይ ይቐልል፧ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ፡ ወይስ ተንስእ እሞ ኪድ ምባል፧ 6 - ንወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ሽዑ ነቲ መጻጒዕ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ። 7 - ተንሲኡ ናብ ቤቱ ኸደ። 8- እቶም ህዝቢ እዚ ርእዮም ፈርሁ። ንኣምላኽ ድማ ከምዚ ዝበለ ስልጣን ንሰብ ብምሃቡ ኣመስገንዎ።
9 - የሱስ ካብኡ ምስ ሐለፈ፡ ማቴዎስ ዚብልዎ ሰብኣይ ኣብቲ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዐቦ።
10 - ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ቤቱ ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጡ፡ እንሆ፡ ብዙሓት ተገውትን ሓጥኣንን ምስ የሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። 11 - ፈሪሳውያን ከኣ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱ፡ መምህርኩምሲ ስለምንታይ እዩ ምስ ተገውቲን ሓጥኣንን ዚበልዕ፧ በልዎም። 12 - የሱስ ግና ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን። 13 - ኣነ ሓጥኣን እምበር፡ ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ዚብል እንታይ ምዃኑ፡ ኪዱ ተምሀሩ፡ በሎም።
14 - ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ፡ ስለምንታይ ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ኣይጾሙን፧ ኢሎም ናብኡ መጹ። 15 - የሱስ ከኣ በሎም፡ ነዕሩኽ መርዓዊኸ፡ መርዓዊ ምሳታቶም ክሳዕ ዘሎ፡ ከመይ ኢሎም ኪጒህዩ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ግና ክትመጽእ እያ፡ ሽዑ ኸኣ ይጾሙ። 16 - ቊራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን፡ እንተ ዘይኰነስ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ ይኸውን። 17 - ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን፡ እንተ ዘይኰነስ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ፡ እቲ ወይኒውን ይፈስስ፡ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ፡ ክልቲኦም ድማ ይእርነቡ።
18 - እዚ ኺብሎም ከሎ፡ እንሆ፡ መራሕ ቤት ጸሎት መጸ፡ ጓለይ ሕጂ ሕጂ ሞተት፡ ግናኸ ንዓ፡ ኢድካ ኣንብረላ እሞ ክትሐዊ፡ እናበለ ሰገደሉ። 19 - የሱስ ድማ ተንሲኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ሰዐቦ። 20፡21 - እንሆ ኸኣ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ብልባ፡ ዘፈር ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ፡ ክሐዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት። 22 - የሱስ ግልጽ ኢሉ ረኣያ እሞ፡ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ኻብታ ሰዓት እቲኣ ሒዛ ሐወየት። 23 - የሱስ ናብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት ምስ መጸ፡ ነፋሕቲ እምብልታን ዋይዋይ ዚብሉ ሰብን ረኣየ፡ 24 - እዛ ጓል ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን እሞ ኣግልሱ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ ሰሐቕዎ። 25 - እቶም ሰብ ምስ ወጹ፡ ኣትዩ ኢዳ ሐዛ፡ እታ ጓል ከኣ ተንስኤት። 26 - ኣብ ኲላ እታ ሃገርውን ወሪኣ ወጸ።
27 - የሱስ ካብኡ ምስ ሐለፈ፡ ክልተ ዕውራት ዓው ኢሎም፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረና፡ እናበሉ ሰዐብዎ። 28 - ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ዕውራት ናብኡ መጹ። የሱስ ድማ፡ እዚ ምግባር ከም ዚከኣለኒ ትኣምኑ ኢኹም፧ በሎም። ንሳቶም፡ እወ ጐይታይ፡ በልዎ። 29- ሽዑ፡ ከም እምነትኩም ይኹነልኩም፡ ኢሉ ኣዒንቶም ተንከየ። 30 - ኣዒንቶምውን ተኸፍታ። የሱስ ድማ፡ ሓደ እኳ ኸይፈልጥ ተጠንቀቑ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛረቦም። 31 - ንሳቶም ግና ወጺኦም ኣብ ኲላ እታ ሃገር ኣውረዩ። 32 - ንሳቶም ምስ ወጹ፡ እንሆ፡ ጋኔን ዝሐደሮ ዓባስ ሰብኣይ ናብኡ ኣምጽኡ። 33 - እቲ ጋኔን ምስ ወጸሉ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ። እቶም ህዝቢ ድማ፡ ከምዚ ዝበለስ ኣብ እስራኤል ከቶ ኣይተራእየን፡ ኢሎም ተገረሙ። 34 - ፈሪሳውያን ግና፡ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ የውጽኦም ኣሎ፡ በሉ።
35 - የሱስ ኣብ ኲሉ ኸተማታትን ኣብ ኲሉ ዓድታትን ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኲሉ ሕማምን ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ። 36 - ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ፡ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም። 37 - ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። 38 - ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ፡ በሎም።