ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28
ማቴዎስ እቲ ኣይሁዳዊ ነቲ ናይ ኣይሁዳውያን መጽሓፍቲ፡ ማለት ብሉይ ኪዳን መመሊሱ ብምጥቃስ፡ የሱስ እቲ መሲህ (ክርስቶስ) እቲ ትንቢት እተዛረበሉ ንጉስ እስራኤል ከም ዝኾነ ነቶም ወገናቱ ዝኾኑ ኣይሁድ ከእምን ኢሉ ወንጌሉ ጸሓፈ። ﷽ወንጌል ማቴዎስ ዝጸሓፈ ማቴዎስ እዩ፡ ዝበሉ እቶም ቀዳሞት ኣቦታት ቤተክርስትያን እዮም እምበር፡ ስም እቲ ጸሓፊ ኣብቲ መጽሓፍ ኣይተጻሕፈን። መኣስ ከም እተጻሕፈውን ፍሉጥ ኣይኮነን። የሩሳሌም ብኢድ ሓደ ቲቶ እተባህለ መራሒ ውግእ መንግስቲ ሮሜ ብ 70ዓ.ም. ከም ዝፈረሰት ኣብ ታሪኽ ንምልከት፡ እቲ ወንጌል ግና ቅድሚ እዚ ዕለት እዚ ወይ ከኣ ብድሕሪኡ ምጽሓፉ፡ ሊቃውንቲ ኣይተሰማምዑሉን። እንተኾነ ግና ኣብ መንጎ 60 ክሳዕ 80ዓ.ም. እተጻሕፈ ይመስል።
ክፍልታት ወንጌል ማቴዎስ፤