1- ኣየ፡ ወላዲተይ ዝጠቦኻ ኸም ሓውይ እንተ ትኾነለይ፡
ኣብ ወጻኢ ምስ ዝረኸበካ፡ ምስዐምኩኻ ነይረ፡
ሓደ እኳ ኣይምነዐቐንን።
2- መሪሔ ናብ ቤት ኣደይ መእቶኹኻ፡ ንስኻ ምመሀርካኒ፡
ኣነውን ካብ እተቓመመ ወይኒ፡ ካብ ሮማነይ እተጸምቔ መስቴኹኻ።
3- ጸጋመይቱ ተተርእሰኒ፡ የመነይቱ ኸአ ትሐቑፈኒ።
4- ኣትን ኣዋልድ ዮርሳሌም፡ ንፍቕሪ፡ ክሳዕ እትደሊ፡
ከይተተንስኣኣን ከይተበራብርኣን ኢለ ኤምሕለክን ኣሎኹ።
5- እዛ፡ ፈታዊኣ ተመርኩሳ፡
ካብ በረኻ እትድይብ ዘላስ መን እያ፡
ኣብ ትሕቲ ኦም ትርንጎ ኣንቃሕኩኻ፡
ኣብኡ ኣዴኻ ወለደትካ፡ ኣብኡ ወላዲትካ ወለደትካ።
ቅንኣታ ኸም ሲኦል ብርቱዕ እዩ፡
ረስና ኸም ረስኒ ሓዊ፡ ሃልሃልታ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡
ከም ማሕተም ኣብ ልብኻ፡
ከም ማሕተም ኣብ ቅልጽምካ ኣንብረኒ።
ወሓይስ ከአ ኣየስጥማን፡
ሰብሲ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ ኹሉ ጥሪት ቤቱ ዚህብ እንተ ዚህሉ፡
ኣዝዩም ምነዐቕዎ ነይሮም።
8- ጡብ ዘይውጽኤት ንእሽቶ ሓብቲ አላትና፡
እትድለየላ መዓልቲ ክንገብረላ ኢና፡
9- ቀጽሪ እንተ ኾነት፡ ኣብ ልዕሊኣ ግምቢ ብሩር ክንሰርሓላ፡
ደገ እንተ ኾነት ከአ፡ ብጽሩብ ጽሕዲ ኽንከባ ኢና።
10- ኣነ ቑጽሪ እየ፡ ኣጥባተይ ከአ ከም ግምብታት እየን፡
ሽዑ ኣብ ኣዒንቱ ኸም ሰላም ዝረኸበት ኮንኩ።
11- ሰሎሞን ኣብ በዓል-ኣሞን ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ።
ነዚ ኣታኽልቲ ወይኒ እዚ ኸአ ንሓለውቲ
ኣብ ክንዲ ፍሬኡ ነፍሲ ወከፎም ሽሕ ብሩር ኬምጽኡስ ሀቦም።
ዎ ሰሎሞን፡ ሽሕ ንኣኻ እዩ፡
ፍሬኣ ንዚሕልው ድማ ክልተ ሚእቲ ይኹን።
13- ኣቲ ኣብ ኣታኽልትታት እትነብሪ፡
እቶም ብጾት ንድምጽኺ ጽን ይብሉ አለው፡ ንኣይ ኮታ ኣስምዕኒ።
ከም ሜዳቑ ወይስ ከም ኣርሕዶ እራብ ኩን።