ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12
1- ቃላት እቲ ሰባኺ፡ ወዲ ዳዊት ንጉስ ዮርሳሌም።
2- ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ይብል እቲ ሰባኺ፡ ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ኩሉ ኸንቱነት እዩ። 3- ሰብ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ኹሉ ጻዕሪ እንታይ ረብሓ ይረኽበሉ፡ 4- ወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸአ ይመጽእ፡ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትቐውም። 5- ጸሓይ ድማ ትበርቕ፡ ጸሓይ ከአ ትዐርብ፡ ናብቲ ዝበረቐትሉ ቦታ ኽትምለስውን ትቕልጥፍ። 6- ንፋስ ናብ ደቡብ ይኸይድ፡ ናብ ሰሜን ከአ ይዘውር፡ እቲ ንፋስ ኣዘውቲሩ እናኸደ ይዘውር፡ ናብ ዙረቱውን ከም ብሓድሽ ይምለስ። 7- ውሒዝ ዘበለ ኹሉ ናብ ባሕሪ ይኸይድ፡ ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልአን። ወሓይዝ ናብቲ ዝኸደሉ ቦታ መመሊሱ ይኸይድ። 8- ኩሉ ነገር ይጽዕር፡ ሰብ ኪዛረብ እኳ ኣይይኽእልን። ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትጸግብን እዝኒ ኸአ ብምስማዕ ኣይትመልእን። 9- እቲ ዝነበረ ንሱ እዩ መሊሱ ዚነብር፡ እቲ እተገብረ ኸአ ንሱ እዩ መሊሱ ዚነብር፡ እቲ እተገብረ ኸአ ንሱ መሊሱ ዚግበር፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ሓድሽ ነገር ከቶ የልቦን። 10- ሰብሲ፡ እንሆ፡ እዚኣ ሓዳስ እያ፡ ዚብለላ ነገርዶ ኣላ እያ፡ ድሮ በቲ ቕድሜና ዝነበረ ዝመናት ዝነበረት እያ። 11- እተን ቀደም ዝነበራ ነገራትሲ መዘከርታ የብለንን። እተን ብደሓር ዚኾና ኸአ ኣብቶም ብድሕሪኤን ዚመጹ መዘከርታ የብለንን።
12- ኣነ ሰባኺ ኣብ ዮርሳሌም ንጉስ እስራኤል ነበርኩ። 13- ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዚግበር ዘበለ ኹሉ ብጥበብ ክምርምርን ከስተብህልን ልበይ ኣቕናዕኩ። እዝስ እግዚኣብሄር ንደቂ ሰብ ኪሳቕዩሉ ዝሀቦም ሓማቕ ጻዕሪ እዩ። 14- ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ኹሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ። 15- ቄናን ኪቐንዕ ኣይከአልን፡ እተሳእነውን ኪቑጸር ኣይከአልን። 16- ኣነ እንሆ ሓለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ዓብዩ ጥበብ ኣጥሬኹ፡ ኢለ ብልበይ በልኩ። ልበይ ናይ ጥበብን ፍልጠትን ምልኣት ረአየ። 17- ንጥበብ ክፈልጣ፡ ንዕሽነትን ድንቁርናን ክፈልጠን ኢለ ልበይ ኣቕኒዔስ፡ እዚውን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይ ምዃኑ ኣስተብሀልኩ። 18- ብዙሕ ጥበብ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ብዙሕ ጓሂ ኣሎ እሞ፡ እቲ ፍልጠት ዜብዝሕ ስቓይ ይበዝሕ።