ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12
1- ክፉእ መዓልታት ከይመጸ፡ ባህ ኣይበለንን እትበለሉ ዓመታት ከአ ኸይቀረበ ኸሎ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ። 2- ጸሓይን ብርሃንን ወርሕን ከዋኽብትን ከይጸልመቱ፡ ደበንታት ከአ ድሕሪ ዝናም ከይተመልሰ፡ 3- በታ ሓለውቲ ቤት ዜንቀጥቅጡላ፡ ብርትይዓት ሰብኡት ዚጉብጡላ፡ ጠሓንቲ ስለ ዝወሓዳ ዜብኩረላ፡ ጠማቶውን ኣብ መሳኹቲ ዚጽልምቱላ፡ 4- ኣብ ኣደባባይ ዜእቱ ደጌታት ከአ ዚዕጸወላ መዓልቲ፡ ደሀይ መጥሓን ምስ ላሸወ፡ ድምጺ ኣዕዋፍ ሰሚዑ ምስ ዚትንስእ፡ ኩለን ደረፍቲ ኣዋልድ ድማ ምስ ላሕተታ፡ 5- ሽዑ ንበረኸቲ ይፈርሁ፡ ኣብ መገዲውን ይስምብዱ፡ ለውዚ ትዕምብብ፡ ኣንበጣ እኳ ይኸብድ፡ ቀመም ከአ ዊንታ ኣየለዐዕልን፡ ሰብ ናብ ናይ ዘለአለም ማሕደሩ ይኸይድ እሞ፡ መልቀስቲ ኣብ ኣደባባያት ይዞሩ። 6- ድሪ ብሩር ከየተበትከ፡ ፍዮ ወርቂ ኸይተጨፍለቐ፡ ዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ ከይተሰብረ፡ መዘወር ኣብ ዔላ ኸይተጨፍለቐ፡ 7- መሬት ድማ፡ ከምቲ ዝነበሮ፡ ናብ ምድሪ ኸይተመልሰ፡ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ፈጣሪኻ ዘክሮ። 8- ናይ ከንቱነታት ከንቱነት፡ ኩሉ ከንቱነት እዩ፡ ይብል እቲ ሰባኺ።
9- ምስናይዚ ግና እቲ ሰባኺ ጥበበኛ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ህዝቢ ፍልጠት መሀሮ፡ ኣስተንተነ፡ መርመረ፡ ብዙሕ ምስላታት ከአ ሰርዔ። 10- እቲ ሰባኺ ባህ ዜብል ቃላት ኪረክብ ደለየ፡ እቲ ጽሑፍ ከአ ቅኑዕን ቃላት ሓቅን እዩ።
11- ቃላት ጠቢባን ከም ሸኻል እዩ፡ ንሱ ኸአ ንእኩባት መምህራን ኣጸቢቑ እተሸንከረ ሽንካራት እዩ፡ ብሓደ ጓሳ እተወህበ ኸአ እዩ። 12- ብዝተረፈ፡ ወደየ፡ መጻሕፍቲ ምጽሓፍ መወዳእታ የብሉን፡ ብዙሕ ምምሃር ድማ ንስጋ የድክሞ እዩ እሞ፡ ተጠንቀቕ።
13- መፈጸምታ ኹሉ እቲ ነገር ንስማዕ፡ እዚ ናይ ሰብ ኩለንትና እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሐልዎ። 14- ኣምላኽሲ ንኹሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን፡ ሰናይ ኮነ ወይስ እኩይ፡ ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ።