ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31
1- ምስላታት ሰለሞን፡ ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል።
2- ጥበብን ተግሳጽን ንምፍላጥ፡ ቃላት ፍልጠት ንምስትውዓል፡
3- ዜለብም ተግሳጽን ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን ንምቕባል፡
4- ነቶም ገርህታትሲ ጥበብ፡ ንመንእሰይ ድማ ፍልጠትን ጥንቓቐን ንምሃብ እዩ።
5-6- እቲ ጠቢብ ንምሳሌን ትርጓሜን ዘረባ ጠቢባንን ዓሚቕ ሓሳባቶምን ኬስተውዕልሲ፡ ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ፡ እቲ ለባም ምኽሪ የጥሪ።
7- ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀምርያ እያ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ።
8-9- ወደየ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኸሳድካ ኸአ ስልማት ድሪ እዩ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።
10- ወደየ፡ ሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻ፡ ሕራይ ኣይትበሎም።
11- ንሳቶም እንተ በሉ፡ ምሳና ንዓ፡ ደም ከነፍስስሲ ነድቢ፡ ነቲ ንጹህ ብዘይ ምኽንያት መጻወድያ ነጻውደሉ፡
12- ጠሪሶም ናብ ጉድጓድ ከም ዚወርዱ፡ ብህይወቶም ከለው ኸም ሲኦል ዃንና ንውሐጦም።
13- ክቡር ገንዘብ ዘበለ ኽንረክብ፡ ነባይትና በቲ ዝዘመትናዮ ኽንመልሶ ኢና።
14- ዕጫኻ ምሳና ኣውድቕ፡ ናይ ኩልና ማሕፋዳ ብሓደ ይኹን፡ እንተ በሉ።
15-16- ወደየ፡ ኣእጋሮምሲ ናብ ክፉእ ይጎያ፡ ንምፍሳስ ደም ይቕልጥፋ እየን እሞ፡ መኻይዲ መገዶም ኣይትኹን፡ እግርኻስ ካብ መገዶም ደአ ኸልክል።
17- መፈንጠራ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኹለን እተን ኣኽናፍ ዘለወን ብኸንቱ ይጻወድ።
18- ንሳቶም ግና ንብገዛእ ደሞም የድብይሉ፡ ንብገዛእ ነፍሶም ከአ ውዲት ይገብሩሉ።
19- መገዲ ነፍሲ ወከፍ ንህርፋን ረብሓ እተዋህበ ኸምዚ እዩ፡ ንሳ ንነፍሲ ውናኣ ተጥፍኣ።
20- ጥበብ ኣብ ወጻኢ ትጭድር፡ ኣብ ኣደባባባያት ድምጻ ተስምዕ።
21- ኣቱም ዓያሱ ክሳዕ መአዝከ ዕሽነት ክትፈትው ኢኹም፡ መላገጽቲ ኸአ ክሳዕ መኣዝላግዚ ባህ ኪብሎም፡ ደናቑርቲውን ፍልጠት ኪጸልኡ እዮም።
23- ናብ ተግሳጸይ ተመለሱ፡ እንሆ፡ መንፈሰት ከፈልፍለልኩም ቃላተይ ከፍልጠኩም እየ።
24- ጸዊዔስ እምቢ ስለ ዝበልኩም፡ ኢደይ ዘርጊሔውን ዘስተብሀለ ስለ ዜልቦ፡
25- ኤረ ምኽረይ ዘበለ ደአ ኣቤኹም፡ ተግሳጸይ ከኣአ ኣይተቐበልኩምን፡
26-27- ኣነውን፡ እቲ እትፈርህዎ ኺመጽእ ከሎ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ኺመጽእ መክራ ኸም ሸምቦባ ኾይኑ ኺበጽሓኩም፡ ጸበባን ጭንቀትን ኪወርደኩም ከሎ፡ ብመከራኹም ክስሕቕ እየ፡ ኣነ ኸባጭወልኩም እየ።
28- ሽዑ ናባይ ኪምህለሉ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክምለሰሎምን እየ፡ ኣንጊሆም ኪደልዩኒ፡ ግናኸ ኣይኪረኽቡንን እዮም።
29- ፍልጠት ስለ ዝጸልኡ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ስለ ዘይመረጹ፡
30- ምኽረይ ስለ ዘይፈተው፡ ንኹሉ ተግሳጸይ ስለ ዝነዐቕዎ፡
31- ፍረ መገዶም ኪበልዑ፡ ካብቲ ምኽሮም ከአ ኪጸግቡ እዮም።
32- እወ፡ ነቶም ዓያሱ ዕልወቶም ኪቕትሎም፡ ነቶም ደናቑርቲ ኸአ እቲ ሸለል ምባሎም ኬጥፍኦም እዩ።
33- እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር፡ ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣአ ኪሀድእ እዩ።