ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31
1-2- ወደየ፡ እዝንኻ፡ ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ፡ ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ፡ ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ፡ ንትእዛዛተይ ከአ ምሳኻ እንተ ኣንበርካዮ፡
3- እወ፡ ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ፡ ንምስትውዓል ከአ እንተ ኣድሄኻያ፡
4- ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ፡ ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸአ ሃለው እንተ በልካያ፡
5- ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ፡ ንምፍላጥ ኣምላኽ ከአ ክትረኽቦ ኢኻ።
6- እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ ክትረኽቦ ኢኻ።
7-8- ንመገዲ ቕንዕና ኼዕቁባ፡ ንመገዲ እቶም ቅዱሳኑ ኸአ ኪሕልዋስ፡ ነቶም ቅኑዓት ደሓን ይእርንበሎም፡ ብዘይ ጽያፍ ንዚመላለሱ ኸአ ዋልታኦም እዩ።
9- ሽዑ ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን፡ ኤረ ኹሉ ሰናይ መገዲ ኸተስተውዕል ኢኻ።
10- ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትአቱ እያ፡ ፍልጠት ከአ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ እሞ፡
11-12- ካብ ክፉእ መገዲ፡ ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት ከተናግፈካስ፡ ምኽሪ ኽትሕልወካ፡ ምስትውዓል ከአ ከተዕቁበካ እያ።
13- ንሳቶም ብመገዲ ጸልማት ምእንቲ ኺመላለሱስ፡ ንመገዲ ቕንዕና ይሐድግዋ፡
14- ንሳቶም ክፉእ ብምግባር ይሕጎሱ፡ ብቔናን ነገርውን ባህ ይብሎም።
15- ንሳቶም ኣብ መገድታቶም ይጠዋወዩ፡ ቄናን መገድታት ከአ ይኽተሉ።
16-17- ካብታ ብፈታዊ ንእስነታ ዝሕደገቶ። ንኺዳን ኣምላኽውን ዝረስዓቶ ዘማዊት ሰበይቲ ካብታ ልዙብ ዝቓላ ኣመንዝራ ኸተናግፈካ እያ።
18- ቤታ ናብ ሞት፡ መገዳ ናብ ምውታት ዜንቁልቁል እዩ እሞ፡
19- ካብቶም ናብኣ ዚአትው ሓደ እኳ ዚምለስ የልቦን፡ ንመገዲ ህይወትውን ኣይረኸብዋን እዮም።
20-21- እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዝነብሩ፡ እቶም ፍጹማት ከአ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ፡ እምበኣርሲ ንስኻ ኣብታ መገዲ ሰንያት ተመላለስ፡ ነምገዲ ጻድቃንውን ሓልዋ።
22- ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ እዮም ጠለምቲ ኸአ ኣብኣ ኺምንቆሱ እዮም።