ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31
1- እቲ ብዙሕ ተገሲጹስ ክሳዱ ዜትርር ሰብ ብድንገት ይጭፍለቕ፡ መድሃኒትውን የብሉን።
2- ጻድቃን እንተ ዐመሩ፡ ህዝቢ ይሕጐስ፡ ረሲእ እንተ ሰልጠነ ግና፡ህዝቢ የስቈርቊር።
3- ጥበብ ዚፈቱ ሰብ ነቦኡ የሐጒሶ፡ ምስ ኣመናዝር ዚመሐዞ ግና ገንዘቡ ይውድእ።
4- ንጉስ ንሃገር ብፍርዲ የጽንዓ፡ ፈታው መማለጃ ግና የጥፍኣ።
5- እቲ ንብጻዩ ዜቀባጥረሉ ነእጋሩ መጻወድያ ይገብረሉ።
6- ኣብ ገበን እኩይ ሰብ መፈንጠራ ኣሎ፡ ጻድቕ ግና እልል ይብል ይሕጐስውን።
7- ጻድቕ ንገበን ድኻታት የስተውዕሎ፡ ረሲእ ግና ምስትውዓል ኣይፈልትን።
8- መላገጽቲ ሰብ ከተማ የንድዱ፡ ጠቢባን ግና ኲራ ይመልሱ።
9- ጠቢብ ምስ ዓሻ እንተ ተማጐተ፡ ወይ ይዂሪ ወይ ከኣ ይስሕቕ፡ ዕረፍቲ የብሉን።
10- እቶም መፍሰስቲ ደም ንፍጹም ሰብ ይጸልእዎ፡ ቅኑዓት ግና ነፍሱ ይደልዩ።
11- ዓሻ ንዂሉ ዂራኡ ይድርጒሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን።
12- እቲ ንሓሶት ጽን ዚብል መኰንን፡ ኲሎም ገላውኡ ረሲኣን እዮም።
13- ድኻን ጠቓዕን ይራኸቡ፡ ነዒንቲ ኽልቲኦም ዜብርህ እግዚኣብሄር እዩ።
14- እቲ ንመሳኪን ብቕንዕና ዚፈርዶም ንጉስ፡ ዝፋኑ ንሓዋሩ ይጸንዕ።
15- ሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ፡ ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍራ።
16- ረሲኣን እንተ በዝሑ፡ ገበን ይበዝሕ፡ ጻድቃን ግና ውድቀቶም ይርእዩ።
17- ንውሉድካ ቕጽዓዮ እሞ ኬዕርፈካ፡ ንነፍስኻውን ተድላ ኪዀና እዩ።
18- ራእይ ዜልቦ እንተ ዀነ፡ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ፡ ሕጊ ዚሕሉ ግና ብጹእ እዩ።
19- ባርያ፡ ምንም እኳ እንተ ኣስተውዐለ፡ ኣይእዘዝን እዩ እሞ፡ ብዘረባ ኣይቅጻዕን።
20- ተሀዊኹ ዚዛረብ ሰብዶ ርኢኻ? ካብ ብእኡስ ብዓሻ ተስፋ ኣሎ።
21- እቲ ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብሕንቃቐ ዝዐበየ ባርያ ኣብ መወዳእታ ውሉድ ይኸውን።
22- ቊጡዕ ሰብ ባእሲ የልዕል፡ ተነቃፊ ሰብ ሓጢኣት የብዝሕ።
23- ንሰብ ትዕቢቱ የዋርዶ፡ ብመንፈሱ ትሑት ዝዀነ ግና ክብረት ይረክብ።
24- እቲ ምስ ሰራቒ ዚሐብር ንነፍሱ ይጸልኣ፡ ንሱ መርገም ይሰምዕ ገለ ኸኣ ኣይገልጽን።
25- ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ፡ ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር።
26- ብዙሓት ሰብ ሞገስ ገዛኢ ይደልዩ፡ ፍርዲ ነፍሲ ወከፍ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
27- ሓጢኣተኛ ሰብ ኣብ ቅድሚ ጻድቃን ፍንፋን እዩ፡ እቲ ብቕኑዕ መገዲ ዚመላለስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ረሲኣን ፍንፋን እዩ።