ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31
1-2- ወደየ፡ ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታትን ህይወትን ሰላምን ኪውሰኻልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፡ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን።
3- ሓያውነት ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላትልብኻውን ጽሓፈን።
4- ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞጎስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።
5- ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡
6- ኣብ ኩሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸአ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።
7- ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ፍራህ፡ ካብ ክፉእ ከአ ርሐቕ።
8- እዚ ንሕምብርትኻ ፈውሲ፡ ነዕጽምትኻውን ኣንጉዕ ኪኾነካ እዩ።
9- ብጥሪትካን ብኹሉ በኹሪ ፍርያትካን፡ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ።
10- ሽዑ ቑፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእ፡ መጽመቑኻ ኸአ ብኹልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ እዩ፡
11-12- ወደየ፡ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቅሮ ውሉድ ዚቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣአ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ፡ እንተ ቐጽዓካ ኸኣ አይተመረር።
13- እቲ ጥበብ ዚረክብ፡ ኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ።
14- ከመይሲ ኻብቲ ብሩር ዜጥሪ ንእኣ ዜጥሪ ይበልጽ፡ እቲ ብእኣ ዚርከብ ረብሓ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይበልጽ እዩ።
15- ካብ ዕንቁ ትኸብር፡ ኩሉ እቲ ሃረር እትብሎ ነገር እኳ ኣይመዐራረያን።
16- ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ፡ ኣብ ጸጋኣ ኸአ ሃብትን ክብረትን አለዋ።
17- ጎደናኣ ጎደና ሐጎስ፡ ብዘሎ መገዳ ኸአ ሰላም እዩ፡
18- ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፡ ኣጽኒዑ ዚሕዛ ዘበለ ኸአ ብጹእ እዩ።
19- እግዚኣብሄር ንምድሪ ብጥበብ ሰረታ፡ ንሰማያት ከአ ብምስትውዓል ኣጽንዖ።
20- ብፍልጠቱ መዓሙቑ ይኸፍት፡ ደበናታትውን ኣውሊ የንጠብጥብ።
21- ወደየ፡ ነዚኤን ካብ ዓይንኻ ኣይትፍለየን፡ ንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሐዘን።
22- ንሳተን ንነፍስኻ ህይወት፡ ንኽሳድካ ኸአ ስልማት ኪኾናኻ እየን።
23- ሽዑ ሀዲእካ መገድኻ ኽትከይድ፡ እግርኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ።
24- እንተ ተገምሰስካ ኣይክትብህርርን ኢኻ፡ በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካውን ኪጥዕም እዩ።
25-26- እግዚኣብሄር እምንቶኻ ኪኸውን፡ ኣእጋርካ ኸይፍንጠራ ኸአ ኪሕልወን እዩ እሞ፡ ካብቲ ናይ ድንገት ስምባድ፡ ካብቲ ንረሲኣን ዚመጾም ጥፍኣት ኣይትሸበር።
27- ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከአላ እንተ ኾይኑስ፡ ነቲ ዝግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ።
28- ዚወሀብ ከሎካስ፡ ንብጻይካ፡ ኪድ እሞ ተመለስ፡ ጽባሕ ክህበካ እየ ኣይትበሎ።
29- ንብጻይካ፡ ኣሚኑካ ምሳኻ ኺነብር ከሎ ኣይትተናኹለሉ።
30- ምስ ዘይበደለካ ሰብ ብኸምኡ ኣይትበኣስ።
31- ብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ፡ መገዲ ዝበለ ኹሉ ኣይትምረጽ።
32- እግዚኣብሄር ነቲ ቐናን ይፍንፍኖ፡ ምስጢሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።
33- መርገም እግዚኣብሄር ኣብ ቤት ረሲእ እዩ፡ ንማሕደር ጻድቃን ግና ይባርኾ።
34- ንሱ መላገጽቲ የላግጸሎም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም።
35- ጠቢባን ክብሪ ኽወርሱ እዮም፡ ዓያሱ ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ።