ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31
1- ቃላት ንጉስ ልሙኤል፡ ኣዲኡ ዝመሀረቶ ንግራት፡
2- ኣየ፡ ኣታ ወደየ፡ እንታይ?
3- ሓይልኻ ነንስቲ፡ መገድኻ ኸኣ ነተን መጥፋእቲ ነገስታት ኣይትሀብ።
4፡5- ልሙኤለየ፡ ሰትዮም ሕጊ ኸይርስዑ እሞ፡ ፍርዲ ዂሎም ግፋዓት ከይልውጡስ፡ እዚ ኣይንነገስታትን እዩ፡ ነገስታት ወይኒ ኺሰትዩ፡ መሳፍንቲ፡ ዜስክር መስተ ኣበይ ኣሎ? ኪብሉ ኣይግባእን።
6- ብርቱዕ መስተስ ነቲ ናብ ጥፍኣት ዝቐረበ፡ ወይኒ ኸኣ ነቶም ነፍሶም እተመረረት ሰባት ደኣ ሀቡ።
7- ይስተ እሞ ድኽነቱ ይረስዕ፡ መከራኡ ኸኣ ኣይዘክር።
8- ኣብ ክንዲ ዓባስ፡ ኣብ ክንዲ እቶም ጸግዒ ዜብሎም ኣፍካ ኽፈት።
9- ኣፍካ ክፈት፡ ብቕንዕና ፍረድ፡ ንሽጉርን ንመስኪንን ብይን ኣውጽኣሎም።
10- ደገኛ ሰበይትስ መን ይረኽባ፡ ዋጋኣ ኻብ ክቡር ዕንቊ ኣዝዩ ይኸብር።
11- ልቢ ሰብኣይ ይእመና፡ እቶቱ ከቶ ኣየቋርጽን።
12- ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር፡ ክፋእ ኣይትገብሮን።
13- ጽጒርን ልሕጺ እንጣጢዕን ትደሊ፡ ተሐጒሳ ኸኣ ብኢዳ ትዐዪ።
14- ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፡ ካብ ርሑቕ ምግባ ተምጽእ።
15- ገና ለይቲ ኸሎ፡ ትትንስእ እሞ፡ ንስድራቤታ ምግቦም ትህቦም፡ ነግራዳ ኸኣ ሰስርሔን ተትሕዘን።
16- ግራት ትምልከት እሞ ትዕድጎ፡ ብፍረ ኣእዳዋ ኸኣ ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክል።
17- ሕቚኣ ብሓይሉ ትዕጠቕ፡ ቀላጽማ ኸኣ ተበርትዕ።
18- ኣቓሑ ንግዳ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ትርኢ፡ መብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን።
19- ኣእዳዋ መፍተል የልዕላ፡ ኣጻብዓውን ቊኒን ይሕዛ።
20- ንሽጉራት ኢዳ ትዝርግሓሎም፡ ንጽጉማት ከኣ ኣእዳዋ ትሰደሎም።
21- ኲሎም ስድራኣ ሰብ ድርብ ክዳን እዮም እሞ፡ ስለ ስድራኣ ብውርጪ ኣይትፈርህን።
22- ንርእሳ ምንጻፋት ትገብር፡ ክዳውንታውን በፍታን ጁዂን እዩ።
23- ሰብኣያ ኣብ ደገ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ዓዲ ምስ ዚቕመጥ ምርኡይ እዩ።
24- ጽቡቕ ቀሚሽ ኣእሊማ ትሽይጥ፡ መቐነት ንነጋዳይ ትህቦ።
25- ሓይልን ክብረትን ልብሳ እዩ፡ ነቲ ዚመጽእ መዓልቲ ትስሕቆ።
26- ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት፡ ትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ።
27- ንብረት ቤታ ትሕሉ፡ እንጌራ ትህኪት ኣይትበልዕን።
28፡29- ደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዂላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳ።
30- ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ።
31- ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሀብዋ፡ ኣብ ደጌታትውን